ትሕዝቶ
30 ግንቦት 2016–5 ሰነ 2016 ዘላ ሰሙን
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ይፍታሕን ጓሉን ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ ብስርዓታት ኣምላኽ ኪምርሑ እንታይ ከም ዝደረኾም ተጕልሕ። ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ፡ ስለምንታይ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ኽንከፍለሉ ኸም ዚግባእ እውን ክንምሃር ኢና።
10 ንናይ ምሕሳብ ክእለትካ ብጥበብ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧
6-12 ሰነ 2016 ዘላ ሰሙን
ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ክሳዕ መወዳእታ ኽንጻወር ይግብኣና እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጻወርቲ ኽንከውን ዚሕግዘና ኣርባዕተ ነገራትን ዜደንቕ ተጻወርነት ዘርኣዩ ሰለስተ ኣብነታትን ዝሓዘት እያ። ነቲ ተጻዋርነት ኣብ ነፍሲ ወከፍና ኽትፍጽሞ ዚግባእ ዕዮ እውን ትገልጽ።
13-19 ሰነ 2016 ዘላ ሰሙን
ኵሎም ክርስትያናት ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ንምእካብ ኣብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ዕንቅፋታት የጓንፎም እዩ። ነዚ ዕንቅፋታት እዚ ምእንቲ ኽንሰግሮ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ኣኼባታት ብምእካብና ንሕና ብኸመይ ከም እንጽሎን ካልኦት ብኸመይ ከም ዚጽለዉን የሆዋ ብኸመይ ከም ዚጽሎን ትገልጽ።
23 ታሪኽ ህይወት—ቀደም ፈለስቲ፡ ሕጂ ግና ናይ ሓቂ መንፈሳውያን ኣሓት
20-26 ሰነ 2016 ዘላ ሰሙን
ሰብኣውያን መንግስትታት መወዳእታአን ይቐርብ ስለ ዘሎ፡ ንገለልትነትና ብዝያዳ ኺቃወማኦ እንጽበዮ ነገር እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከይተለማለምና ገለልትነትና ሓሊና ኽንቅጽል ዚሕግዘና ኣርባዕተ ኽንገብሮ ዘሎና ነገራት ትገልጽ።