ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/3 ገጽ 12
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ያእቆብ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣኽቢሩ ይርኢ ነበረ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ኣህዛብ “ትምህርቲ የሆዋ” ንኺረኽቡ ምድላዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ያእቆብ ናብ ካራን ይኸይድ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ኣብ ቅድሚ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነቲ ብስራት ምምጓት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/3 ገጽ 12

ትፈልጥዶ፧

ሮማዊ ዜግነት ንሃዋርያ ጳውሎስ ዝጠቐሞ ብኸመይ እዩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ቄሳር ይግባይ ኪብል ከሎ

ጳውሎስ፡ “ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ!” በለ

ሮማዊ ዜግነት ንሓደ ሰብ ኣብ ዝኸዶ ኽፋል እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት መሰላትን ሓለፋታትን ንኺረክብ ይሕግዞ ነበረ። ሓደ ሮማዊ ዜጋ ንሕጊ ሮሜ ደኣ እምበር ንሕጊ እተን ኣብ ትሕቲ እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ዝነበራ ኸተማታት ኪግዛእ ኣይግደድን እዩ ነይሩ። ብገለ ነገር እንተ ተኸሲሱ፡ በቲ ናይቲ ኸባቢ ሕጊ ኺፍረድ ፍቓደኛ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተዀነ፡ ጕዳዩ ኣብ መጋባእያ ሮሜ ንኺስማዕ እውን መሰል ነበሮ። ምናልባት ንሞት ምስ ዚፍረድ ድማ ናብ ሃጸይ ሮሜ ይግባይ ኪብል መሰል ነይርዎ እዩ።

ነዚ መሰላት እዚ ኣመልኪቱ፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ሲሰሮ ዚብሃል ሮማዊ በዓል ስልጣን፡ “ንሓደ ሮማዊ ዜጋ እንተ ኣሲርካዮ ገበን፡ እንተ ገሪፍካዮ ድማ ሓጢኣት፡ ንሞት እንተ ፈሪድካዮ እሞ ኸኣ ዳርጋ ንወላዲኻ ወይ ንመቕርብካ ኸም እትቐትል ዘለኻ እዩ” በለ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ብዘሎ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ሰቢኹ እዩ። ነቲ ኸም ሮማዊ ዜጋ መጠን ዝነበሮ መሰላት ከም እተጠቕመሉ ድማ ኣብ ሰለስተ ኣጋጣሚታት ተመዝጊቡ ኣሎ፦ (1) እቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ኣመሓደርቲ ስለ ዝገረፍዎ መሰላቱ ኸም እተጋህሰ ሓበሮም። (2) ኣብ የሩሳሌም፡ ካብ መግረፍቲ ምእንቲ ኺድሕን ዜግነቱ ኣፍለጠ። (3) በቲ ናይ ሮሜ ሃጸይ ዝነበረ ቄሳር ብቐጥታ ንኺስማዕ፡ ይግባይ ብምባል ጕዳዩ ናብኡ ኣቕረቦ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:37-39፣ 22:25-28፣ 25:10-12።

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጓሶት ውዕለቶም ዚኽፈሉ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

ኣባጊዕን ኣጣልን ንምዕዳግ ዚግበር ዝነበረ ውዕል

ኣብ ከባቢ 2050 ቅ.ክ. ኣባጊዕን ኣጣልን ንምዕዳግ ኣብ ኲኒፎርም እተገብረ ውዕል

እቲ ኣበው ዝነበረ ያእቆብ ንመጓሰ ኣኮኡ ላባን ን20 ዓመት ዚኣክል ጓስዩ እዩ። ያእቆብ ነተን ክልተ ደቂ ላባን ምእንቲ ኺምርዖ 14 ዓመት ጓሰየ፣ ናይተን ዝተረፋ 6 ዓመት ድማ ዓስቡ ብጥሪት ተኸፍለ። (ዘፍጥረት 30:25-33) ቢብሊካል ኣርክዮሎጂ ረቪው ዘርእስታ መጽሔት፡ “ከምቲ ኣብ መንጎ ላባንን ያእቆብን እተገብረ ናይ ጕስነት ስምምዕ፡ ጥንታውያን ጸሓፍትን ኣንበብትን መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ገይሮም ዚፈልጥዎ ነገር እዩ ነይሩ” ብምባል ገለጸት።

እቲ ኣብ ኑዚ፡ ላርሳ፡ ከምኡ እውን ኣብ ካልእ ቦታታት ዘመናዊት ዒራቕ እተረኽበ ጥንታዊ ዝዀነ ውዕላት ነዚ ዜርኢ እዩ። ሓደ ውዕል፡ ካብቲ ዓመታዊ ዚግበር ምቕምቃም ኣባጊዕ ጀሚሩ ናብቲ ዚቕጽል ዓመት ዚሰጋገር እዩ ነይሩ። ጓሶት ነተን ጥሪት ብሓላፍነት ምእንቲ ኺጓስይወን ብዕድመን ብጾታን ተቘጺረን ይውሃባኦም ነበራ። ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ እቲ ዋና ብመጠን እቲ እተገብረ ስምምዕ፡ ጸምርን እተፈላለየ ፍርያት ጸባን ውላዳት እተን ማልን ካልእ ነገራትን ይቕበል ነበረ። ካብቲ እተገብረ ስምምዕ ንዝሓለፈ ተወሳኺ ፍርያት ድማ እቲ ጓሳ ይወስዶ ነበረ።

ቍጽሪ እተን መጓሰ ዚውስኽ፡ ኣብቲ ነቲ ጓሳ ብሓላፍነት እተዋህባኦ ኣንስትዮ ኣባጊዕ እዩ ዚምርኰስ። ሚእቲ ሽበን፡ ብሓፈሻ 80 ዕየት ኬፍርያ ትጽቢት ይግበረለን ነበረ። እተን መጓሰ ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ካብቲ ቝጽረን ምስ ዚጐድላ፡ እቲ ጓሳ ኺዓድየን ነበሮ። በዚ ኸምዚ፡ ነተን ብሓላፍነት እተዋህባኦ እንስሳታት ብጥንቃቐ ንኺሕዝ ይድረኽ ነበረ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ