ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 15/8 ገጽ 9
  • የሆዋ ‘ነንመዓልቲ ጾረይ ይጸውር’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ‘ነንመዓልቲ ጾረይ ይጸውር’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝርከብ በረኸት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ናይ ፓይነር ኣገልግሎት—ንዓኻ ዝምልከት ድዩ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 15/8 ገጽ 9

የሆዋ ‘ነንመዓልቲ ጾረይ ይጸውር’

ማርታ ዱ ራን

ኵነታት ጥዕናይ ንኽትጾሮ ዜጸግም ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኣብ ምሉእ ህይወተይ ከም ዝደገፈኒ ይስምዓኒ እዩ። ንልዕሊ 20 ዓመት ከኣ፡ ፈላሚት ኰይነ ንየሆዋ ብምግልጋል ፍሉይ ሓጐስ ረኺበ እየ።

ብ1956 ኣብ እተወለድኩሉ እዋን ስፓይና ቢፊዳ ዚብሃል ሕማም ሓዘኒ። ሻምብቆ መትነይ ምሉእ ብምሉእ ኪዕጾ ብዘይምኽኣሉ፡ ብእግረይ ክኸይድ የጸግመኒ እዩ። እዚ፡ ካልእ ጸገማት ጥዕና እውን ኣስዒቡለይ እዩ።

ካብቲ እተወለድኩሉ እዋን ገለ ግዝያት ኣቐዲሙ፡ ሚስዮናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንወለደይ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህርዎም ጀሚሮም ነበሩ። ኣብ ግዜ ቝልዕነተይ፡ ኣብታ እተወለድኩላ ዓዲ፡ ኣብ ኡሳኮስ፡ ናሚብያ ሒደት ኣስፋሕቲ ጥራይ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዚጽናዕ ጽሑፍ ብስድራ ቤት ኴንና ነጽንዖ ነበርና። ጓል ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ ኣካላተይ ዩሮስቶሚ ዚብሃል ብመጥባሕቲ እተዳለወ ንምሻን ዚሕግዝ መሳርሒ ተገብረለይ። ጓል 14 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ሕማም ምንፍርፋር ሓመምኩ። እቲ ኣብ ከባቢና ዝነበረ ኻልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣዝዩ ርሑቕ፡ ካብ ወለደይ ከኣ ፍሉይ ሓገዝ የድልየኒ ስለ ዝነበረ፡ ትምህርተይ ክውድእ ኣይከኣልኩን።

ይኹን እምበር፡ መንፈሳውነተይ ኬደልድል ወሰንኩ። መብዛሕትኡ ጽሑፋትና በቲ ቛንቋ ኣደይ ዝዀነ ኣፍሪካኣንኛ ኣይተተርጐመን ነይሩ። ስለዚ፡ ንመብዛሕትኡ መጻሕፍትና ምእንቲ ኸጽንዖ እንግሊዝኛ ተመሃርኩ። ኣስፋሒት መንግስቲ ኣምላኽ ኰንኩ፡ ጓል 19 ዓመት ምስ ኰንኩ ድማ ተጠመቕኩ። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ሓያሎ ናይ ጥዕና ጸገማትን ስምዒታዊ ሽግራትን ነይሩኒ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሓድሕዶም ኣብ ዚቀራረቡ ማሕበረ ሰብ ዚነብሩላ ኸተማ ስለ ዝዓበኹ፡ ፍርሂ ሰብ ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኣት ንኸይካፈል ዕንቅፋት ኰይኑኒ ነበረ።

ኣብ መጀመርታ 20ታት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ካብ ናሚብያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ገዓዝና፣ ንመጀመርታ ግዜይ ከኣ ምስ ጉባኤ ተራኸብኩ። እዝስ ኣየ ኽንደይ ዜደንቕ ኰን እዩ! ኰይኑ ግና፡ ኮሎስቶሚ ዚብሃል ካልእ ዓይነት መጥባሕቲ ተገብረለይ።

ድሕሪኡ ገለ ግዝያት ጸኒሑ፡ ሓደ ሓላው ወረዳ ብዛዕባ ፈላምነት ኪዛረብ ሰማዕኩ። እቲ ዝሃቦ ሓሳባት ንልበይ ተንከፎ። ጥዕናይ ከም ዘይፈቕደለይ እፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ፡ የሆዋ ኣብ ብዙሕ ጸገማት ብኸመይ ከም ዝሓገዘኒ ርእየ እየ። ስለዚ ድማ ስርዕቲ ፈላሚት ክኸውን ኣመልከትኩ። ይኹን እምበር፡ ሽማግለታት ንዅነታት ጥዕናይ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ዝመላእክዎ ፎርም ንኪቕበልዎ ኸበዶም።

ኰይኑ ግና፡ ብእተኻእለኒ መጠን ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ክካፈል ወሰንኩ። ብሓገዝ ኣደይን ካልኦት ኣስፋሕትን፡ ንሽዱሽተ ወርሒ ዚኣክል እቲ ዚድለ ሰዓታት ፈላምነት ክውፊ ኸኣልኩ። እዚ ኸኣ ፈላሚት ክኸውን ከም ዝቘረጽኩ ዜረጋግጽ፡ ንጸገማት ጥዕናይ ክቈጻጸሮ ኸም ዝኽእል ድማ ዜርኢ እዩ ነይሩ። እንደገና ኣመልከትኩ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ተፈቕደለይ። ብ1 መስከረም 1988 ከኣ ስርዕቲ ፈላሚት ኰንኩ።

ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ከለኹ፡ ብቐጻሊ ደገፍ የሆዋ ርእየ እየ። ንሓደስቲ ሰባት ብዛዕባ ሓቂ ኽምህሮም ብምኽኣለይ፡ ኣብ ኵነታተይ ንኸየተኵር ኣዕቚቡኒ፡ ብመንፈስ ንኽዓቢ ድማ ሓጊዙኒ እዩ። ሓያሎ ሰባት ህይወቶም ወፍዮም ንኺጥመቑ ብምሕጋዘይ ብዙሕ ሓጐስ ረኺበ እየ።

ኵነታት ጥዕናይ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ‘ነንመዓልቲ ጾረይ ይጸውር ኣሎ።’ (መዝ. 68:19) ሕማመይ ተጻዊረ ንኽንብር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብህይወት ተሓጒሰ ንኽነብር እውን ሓጊዙኒ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ