ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣንግሎ ኣመሪካ ሻውዐይቲ ሓይሊ ዓለም ዝዀነት መዓስ እያ፧
▪ እቲ ነቡካድነጻር ዝረኣዮ ዓብዪ ምስሊ ሓጺን፡ ንዅለን ሓይልታት ዓለም ኣየመልክትን እዩ። (ዳን. 2:31-45) ኣብ ክንዳኡስ፡ ነተን ካብ ግዜ ዳንኤል ኣትሒዘን ንህዝቢ ኣምላኽ እተዋግኣኦም ሓሙሽተ መንግስትታት ጥራይ እዩ ዜመልክት።
እቲ ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ምስሊ ሓጺን ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ ኣመሪካ ኻብ ሮሜ ኸም እትወጽእ ደኣ እምበር ንሮሜ ኸም እትስዕራ ኣይሕብርን እዩ። ዳንኤል ከም ዝገለጾ እቲ ሓጺን ካብ መሓውር ጀሚሩ ኽሳዕ ኣእጋርን ኣጻብዕን እዩ ዚዝርጋሕ። (ኣብቲ ኣእጋርን ኣጻብዕን ዘሎ ሓጺን ግና ምስ መሬት እተሓዋወሰ እዩ።)a እዚ መግለጺ እዚ፡ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ ኣመሪካ ኻብቲ ብሓጺን ዝቘመ መሓውር ከም እትወጽእ እዩ ዚሕብር። እዚ ሓቂ ምዃኑ ታሪኽ ዚምስክሮ እዩ። እታ ቕድም ክፍሊ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረት ብሪጣንያ፡ ኣብ መወዳእታ 1700ታት ዝያዳ ሓይሊ ኽትረክብ ጀመረት። ጸኒሑ ኸኣ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ሓያል መንግስቲ ዀነት። ይኹን እምበር፡ ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብቲ እዋን እቲ፡ እታ ሻውዐይቲ ሓይሊ ዓለም ኣይተመስረተትን ነይራ። ከመይሲ፡ ሽዑ፡ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ብፍሉይ መገዲ ሓቢረን ኪዓያ ኣይጀመራን ነይረን። ሓቢረን ኪዓያ ዝጀመራ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም እየን።
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም “ደቂ መንግስቲ” ተባሂሎም ዘለዉ ቕቡኣት፡ ነቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈቶም ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ኣቚሞም፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብንጥፈት ይዓዩ ነበሩ። (ማቴ. 13:36-43) ኣብተን ኣብ ግዝኣት ብሪጣንያ ዝነበራ ሃገራት ከኣ ብንጥፈት ይሰብኩ ነበሩ። ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ፍሉይ ጥምረት ገበራ። ሓቢረን ከኣ ንፖለቲካውያን ጸላእተን ተዋግኣኦም። ብዘይካዚ፡ ብሰንኪ እቲ ውግእ፡ ሃገራውነት እናተጐሃሃረ ምስ ከደ፡ ንኣባላት ዘርኢ እታ “ሰበይቲ” ኣምላኽ ኪወግኣኦም ጀመራ። ንጽሑፋቶም ኣገዳኦ፡ ነቶም ኣብ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ ዝነበሮም ኣሕዋት ከኣ ኣሰራኦም።—ራእ. 12:17።
ስለዚ እምበኣር፡ ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ ሻውዐይቲ ሓይሊ ዓለም ኣብቲ ብሪጣንያ ዝያዳ ሓይሊ ዝረኸበትሉ እዋን፡ ማለት ኣብ መወዳእታ 1700ታት ኣይተመስረተትን ነይራ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ጐይታ እያ ተራእያ።b
[እግረ-ጽሑፋት]
a እቲ ምስ ሓጺን እተሓዋወሰ መሬት፡ ነቲ ኣብ ግዝኣት እታ ባህርይ ሓጺን ዘለዋ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ ኣመሪካ እተሓቝፈ ባእታታት እዩ ዜምልክት። ድሕሪ ግዜ፡ እቲ መሬት ንሓይሊ ዓለም ኣንግሎ ኣመሪካ ኸም ድላያ ንኸይትገብር ዕንቅፋት ኰና።
b እዚ መግለጺ እዚ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!፡ ኣብ ገጽ 57፡ ሕጡብ ጽሑፍ 24፡ ከምኡውን ነቲ ኣብ ገጽ 56፡ ከምኡውን ኣብ ገጽ 139 ኣብ ዘሎ ሰሌዳ ተገሊጹ ዘሎ ሓሳባት ዚእርም እዩ።
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ኣብቲ ዎችታወር ዚብሃል ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዚዓዩ ሸሞንተ ኣሕዋት ብሰነ 1918 ተኣስሩ