ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/1 ገጽ 30-31
  • ካብ እኩያት መናፍስቲ ተጠንቀቕ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ እኩያት መናፍስቲ ተጠንቀቕ!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ብተኣምር ኣሕወየ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንዘጋጠሞ ፈተና ተቓወመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • የሱስ ንሰማዕቱ ኣገረመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/1 ገጽ 30-31

ንመንእሰያት

ካብ እኩያት መናፍስቲ ተጠንቀቕ!

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ፡ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

1 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ዘፍጥረት 6:1-6፣ ግብሪ ሃዋርያት 19:11-20 ኣንብብ።

እቶም ንጉዓት እንታይ ይመስሉ ኸም ዝነበሩ ግለጽ።

_______

ከምቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 19:13-16 ተገሊጹ ዘሎ፡ እቶም ምስ ርኹስ መንፈስ እተራኸቡ ሰባት እንታይ እተሰምዖም ይመስለካ፧

_______

2 ዝያዳ ምርምር ግበር።

በቲ ኽትረኽቦ እትኽእል ንምርምር ዚሕግዝ ናውቲ ጌርካ፡ ብዛዕባ እቶም ንጉዓት ዝያዳ ፍልጠት ርኸብ። እቶም ንጉዓት፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ሓማቕ ባህርይ ኪህልዎም ዝኸኣለ ስለምንታይ ይመስለካ፧

_______

እቶም እኩያት መናፍስቲ፡ ‘ሰፈሮም ሓዲጎም’ ኪብሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧ (ይሁዳ 6 ኣንብብ።) ካብ ደቂ ሰብ፡ ኣንስቲ ኺወስዱ ዘይባህርያዊ ዝነበረኸ ስለምንታይ ይመስለካ፧

_______

እቲ ዘንበብካዮ ኽልተ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ እኩያት መናፍስቲ ንጾታዊ ጕዳያትን ንዓመጽን ብዚምልከት ዝነበሮም ኣተሓሳስባ እንታይ እዩ ዚነግረካ፧

_______

3 ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ።ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

እቲ እኩያት መናፍስቲ ዝነበሮም ጭካነን ስስዐን።

_______

ተወሳኺ ኣወዓዕላ።

ሕጂ እኩያት መናፍስቲ ስጋ ኺለብሱ ስለ ዘይክእሉ፡ በየናይ ተዘዋዋሪ መገድታት እዮም ኪጸልዉኻ ዚኽእሉ፧

_______

ሎሚ እንታይ ዓይነት መዘናግዒ እዩ ንኣተሓሳስባን ድልየትን እኩያት መናፍስቲ ዜንጸባርቕ፧

_______

ንጽልዋ እኩያት መናፍስቲ ንኽትቃወሞ ቘራጽነት ከም ዝገበርካ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧ (ግብሪ ሃዋርያት 19:18, 19 ደጊምካ ኣንብብ።)

_______

4 ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

_______

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻልእ ጽሑፋት ንምርካብ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓትቶም ወይ ኣብ www.watchtower.org ከተንብብ ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ