ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/12 ገጽ 22
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሕብርን ዓለባን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ብዛዕባ የሱስ ዝጸሓፉ ሰባት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ሕብሪ ብኸመይ ይጸልወካ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/12 ገጽ 22

ትፈልጥዶ፧

እቲ ኣብ ኦሪት ዘጸኣት ብዙሕ ሳዕ እተጠቕሰ “ጽሩይ ቀይሕ ፈትሊ” እንታይ እዩ፧

▪ ብመሰረት ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጋረድን ኣፍ ደገን እቲ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ማእከል ኣምልኾ ዝነበረ ማሕደር፡ “ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን” ብእተዳለወ ዓለባታት እዩ ዚስራሕ ነይሩ። (ዘጸኣት 26:1፣ 38:18) “ቅዱሳት ኣልባስ” እቶም ካህናት እውን ካብ “ጽሩይ ቀይሕ” ፈትሊ እዩ ዚስራሕ ነይሩ።—ዘጸኣት 28:1-6።

ጽሩይ ቀይሕ ኪብሃል ከሎ፡ ከርመስ እውን ዚብሃል ድሙቕ ቀይሕ ሕብሪ ማለት እዩ። እቲ ሕብሪ ኻብ ኣካላት እተን ካብ ጃንዳ ካክሲድያ ዝዀና ኣንስትዮ ሓሸራታት እዩ ዚውሰድ ነይሩ። እዘን ክንፊ ዘይብለን ሓሸራታት፡ ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ገማግም መዲተራነያንን ዚርከብ ገረብ ከርመስ ኦክ (ኮርከስ ኮኪፈራ) እየን ዚነብራ። እቲ ጽሩይ ሕብሪ ኣብ ውሽጢ ኣካላት እታ ኣንስተይቲ ሓሸራ ኣብ ዘሎ እንቋቝሖ እዩ ዚርከብ። እታ ሓሸራ እንቋቝሖ ኣብ እተፍርየሉ እዋን፡ ኣብ ኣቝጽልትን ጨንገርን ገረብ ከርመስ ኦክ ብምጥባቕ፡ ልክዕ ክንዲ ዓይኒ ዓተር ዚኸውን ቀይሕ ፍረ እያ እትመስል። እተን ሓሸራታት ተኣርየን ምስ ተጨፍለቓ፡ ንኣጭርቕቲ ንምቕላም ዚኸውን ኣብ ማይ ዚሓቅቕ ጽሩይ ሕብሪ የፍርያ። ሮማዊ ጸሓፍ ታሪኽ ዝነበረ ፕሊኒ ዓብዪ፡ ነዚ ጽሩይ ቀይሕ ሕብሪ፡ ኣብ ግዜኡ ኻብ ዝነበረ ሕብርታት እቲ ዝበለጸ ኸም ዝዀነ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ።

ካብ ጸሓፍቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣየኖት እዮም፧

▪ ካብቶም ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዝጸሓፉ ሸሞንተ ሰብኡት፡ ሽዱሽተ ሽዑ ተኣኪቦም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ግብሪ ሃዋርያት፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ፡ ኢሉ ኻብ የሩሳሌም ከይወጹ” ኣዘዞም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:4) ኣብቲ ጸብጻብ እቲ ኸም እተሓበረ፡ እቲ ገለ ኻብቶም ዳሕራይ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚዀኑ ማቴዎስ፡ ዮሃንስ፡ ጴጥሮስ ነዚ መምርሒ እዚ ተኣዚዞም፡ ምስቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኣብቲ ቦታ እቲ “ብሓንሳእ” ተኣኪቦም ነበሩ። እቶም ንየሱስ ብኣደ ኣሕዋቱ ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቲ እውን ኣብኡ ነይሮም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:12-14፣ 2:1-4) ካብዚኣቶም ክልተ፡ ማለት ያእቆብን ይሁዳን፡ ጸኒሖም ብስሞም ዚጽውዓ ኽልተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሒፎም እዮም።—ማቴዎስ 13:55፣ ያእቆብ 1:1፣ ይሁዳ 1።

ማርቆስ ኣብ ወንጌሉ፡ የሱስ ኪተሓዝ ከሎ ሓደ መንእሰይ ከም ዝሃደመ ገሊጹ ኣሎ። ኵሎም እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኣቐዲሞም ንየሱስ ሓዲጎምዎ ሃዲሞም ስለ ዝነበሩ፡ ማርቆስ ብዛዕባ ርእሱ ይዛረብ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ማርቆስ 14:50-52) ስለዚ፡ ማርቆስ ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንተ ነይሩ፡ ኣብ ጴንጠቆስጠ ተኣኪቡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ካብቶም ብመንፈስ ተመሪሖም ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዝጸሓፉ ኽሳዕ ሕጂ ዘይጠቐስናዮም፡ ጳውሎስን ሉቃስን እዮም። ጳውሎስ ብጴንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ ሰዓቢ ክርስቶስ ኣይነበረን። (ገላትያ 1:17, 18) ሉቃስ እውን ንርእሱ ምስቶም ንኣገልግሎት የሱስ “በዒንቶም ዝረአዩ” ሰባት ስለ ዘይቈጸራ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ኣይነበረን ኪኸውን ኣለዎ።—ሉቃስ 1:1-3።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ሓሸራታት ሕብሪ ንምድላው ይጠቕማ ነበራ

[ምንጪ]

Courtesy of SDC Colour Experience (www.sdc.org.uk)

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ጴጥሮስ ኣብ ጴንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. መደረ ኺህብ ከሎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ