ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/12 ገጽ 14-15
  • ኣብቲ ሰፊሕ ጻዕዳ ምድረ በዳ ዝገበርናዮ ምብጻሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብቲ ሰፊሕ ጻዕዳ ምድረ በዳ ዝገበርናዮ ምብጻሕ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/12 ገጽ 14-15

ካብ ኖርወይ እተላእከት ደብዳበ

ኣብቲ ሰፊሕ ጻዕዳ ምድረ በዳ ዝገበርናዮ ምብጻሕ

ሓደ መዓልቲ፡ ብጊሓት ኣብ እዋን ቈራሪ ወርሓት፡ ኵነታት ኣየር እንታይ ከም ዚመስል ንምርኣይ መጋረጃ ቐሊዕና ንጥምት ነበርና። ሽዑ፡ ሰማይ በሪሁ ምስ ረኣናዮ ኣዝዩ ባህ በለና። ናብቲ ፊንማርክስቪዳ ዚብሃል ካብ ኣርክቲካዊ ዓንኬል ብሸነኽ ሰሜን ዚርከብ ዓብዪ ኸረን ኬድና፡ ንሰለስተ መዓልቲ ኽንሰብኽ ኢና ንብገስ ኔርና።

እቲ ዝኸድናሉ ወርሓት ኣዝዩ ቘራሪ ወርሓት ስለ ዝነበረ፡ ናብቲ ሰሜናዊ ምድረ በዳ ኽንከይድ ቍሩብ ፈሪህና ነበርና። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ኣብቲ ኸባቢ ምስ ዚነብሩ ሰለስተ ናይ የሆዋ መሰኽኽር ኢና እንጓዓዝ ኔርና። ንሳቶም፡ እንታይ ክንጽበ ኸም ዘሎና ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ ጽቡቕ ምኽሪ ሃቡና።

ኣብዚ ቦታ እዚ፡ ብዙሕ ጽርግያታት የለን። ነቶም ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዚነብሩ ሰባት ክትበጽሖም እትኽእለሉ ዝበለጸ መገዲ፡ ኣብ በረድ ብእትጐዓዝ ተሽከርካሪት ጥራይ እዩ ነይሩ። ንኽዳውንትናን ንምግብናን ነቲ ተወሳኺ ነዳድን ኣብታ ተሽከርካሪትን ተጐታቲታን ጸዓንናዮ። ኣብ ቅድሜና ሰፊሕ ጻዕዳ ኸረን ይርኣየና ነበረ። ጸሓይ ምስ በረቐት እቲ በረድ ከም ኣልማዝ የብለጭልጭ ነበረ። ኣዝዩ ውቁብ ትርኢት ድማ እዩ ነይሩ።

ኣብ ፊንማርክስቪዳ፡ ካሪቡ (ዓይነት ዓገዘን)፡ ሙስ (ዓይነት ጤለበዱ)፡ ጭዃንበሳ፡ ማንቲለ፡ ወኻርያ፡ ካብ ጃንዳ ፍሒራ ዝዀኑ ምንጽጹላይ ዚመስሉ እንስሳታት፡ ከምኡውን ሒደት ድቢ ይርከቡ እዮም። ይኹን እምበር፡ ነቶም ኣብዚ ምሕድግ ዝበለ ቦታ እዚ ዚነብሩ ሰባት ንምብጻሕ ኢና ብሃንቀውታ ንጽበ ኔርና። ብፍላይ ምስቶም መጓሰ ካሪቡ ዝጓስዩ ወይ ኣብቲ መዕረፊታት ዝሰርሑ ህዝቢ ሳሚ ኽንራኸብ ሃነቀው ንብል ነበርና።

ኣብ ጥቓ እቲ ቐዳማይ መዕረፊ፡ ምስ ደቂ ቤት ትምህርቶም ኰይኖም ብበርድ ብምንሽርታት ዚጻወቱ ዝነበሩ መንእሰያት ተራኸብና። ጸወታኦም ኣቋሪጾም ድማ እንታይ ክንገብር ናብኡ ኸም ዝኸድና ሓተቱና። ንሕና ኸኣ ተሓጒስና ገለጽናሎም። ክንነቅል ከለና፡ ሓደ ኻብቶም መንእሰያት፡ ኣብ ዕዮ ስብከትና ንኽንዕወት ትምኒቱ ገለጸልና። ኣብ መጓዓዝያታትና ደይብና ኸኣ፡ ብዝደስከለ ሰፋሕቲ ቐላያትን ብጻዕዳ ምድረ በዳን ሓለፍና። መጓሰ ካሪቡኸ ነይሮምዶ፧

ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ጎጆ ገጽና ምስ ከድና፡ ሓደ ሰብኣይ ጽቡቕ ገይሩ ሰላም በለና። ንሱ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚቕመጡ ሒደት ሰባት እዩ። እቲ ሰብኣይ፡ ተጐታቲትና ኸም እተሰብረት ምስ ረኣየ፡ ግዜኡ ሰዊኡ ብፍታው ጸገነልና። ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ሰባት ህዱኣት እዮም። እቲ ሰብኣይ ዘርኣዮ ባህርይ፡ ንዓናውን ከም እንሃድእ ገበረና። ነታ ተጐታቲት ምስ ኣዐረያ፡ ኣመስጊንና፡ ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኸም ዝፈቐደ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሒደት ነጥብታት ገለጽናሉ። ንሱ ኸኣ፡ ጽን ኢሉ ሰምዓና። መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍን መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ሃብናዮ። ፍሽኽ እናበለ ድማ፡ “ስለ ዝበጻሕኹምኒ አመስግነኩም” በለና።

ድሕሪኡ፡ ንሒደት ካልኦት ሰባት ምስ በጻሕና፡ ኪመሲ ስለ ዝጀመረ ናብ መደቀሲና ገጽና ኽንከይድ ተበገስና። እናኸድና ኸለና ብሃንደበት ወኻርያ ረኣና። እቲ ቐይሕ ጸጕሪ እታ ወኻርያ፡ ኣብቲ ጻዕዳ በረድ የብለጭልጭ ነበረ። እታ ወኻርያ ሓንሳእ ደው ኢላ፡ ናባና ኣተኲራ ድሕሪ ምጥማታ መገዳ ቐጸለት። ውርጪ ኺወርድ ስለ ዝጀመረ፡ ናበይ ገጽና ንኸይድ ከም ዘለና ኽንርኢ ኣይከኣልናን። ነታ እንድቅሰላ ጎጆ ምስ ረኣናያ ግና ኣዚና ተሓጐስና። ኣብ እቶን፡ ሓዊ ኣጐድና፡ እቲ ቦታ ድማ በብቝሩብ ኪመውቕ ጀመረ። ኣብታ መጓዓዚትና ምሉእ መዓልቲ ዓቐብ ቍልቍል እናተሓምበብና ብምጕዓዝና ደኺምና እኳ እንተ ነበርና፡ ሓጐስ ተሰምዓና።

ከይተፈለጠና ድማ ወግሐ። ሻንጣና ኣብታ መጓዓዚትና ድሕሪ ምጽዓንና ድማ መገዲ ውሒዝ ተኸቲልና ናብ ታሕቲ ገጽና ተጓዓዝና፣ ናብ ካልእ መዕረፊ ቦታ ድማ በጻሕና። ኣብዚ ቦታ እዚ ሓደ መንእሰይ ኣጓነፈና፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ሃናጺ ሓሳባት ኣካፈልናዮ። እዚ መንእሰይ እዚ፡ ናብ መገዲ ኣጋር ክንምለሰሉ እንኽእል ዝቐለለ መገዲ ብሕያውነት ኣርኣየና።

እታ ምብጻሕ እንገብረላ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ኣርከበት። ኣብቲ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ስታበርስዳለን ምስ ኣተና፡ ኣብ ከባቢና ባህ ዜብል ገጽ ምድሪ ረኣና፣ ብማዕዶ ድማ ብብርሃን ጸሓይ ዜንጸባርቕ ብውርጪ እተሸፈነ ኣኽራናት ይርአ ነበረ። ዓብዪ መጓሰ ካሪቡ ድማ ረኣና። እተን ካሪቡ ነቲ ኣብቲ ውርጪ እተሓብአ ሰበባ ብኣቕርንተን እናፈሓራ ህድእ ኢለን ይምገባ ነበራ። ካብኡ ርሕቕ ኢሉ ድማ፡ ቋንቋ ሳሚ ዚዛረብ ሰብ ኣብ መጓዓዝያኡ ኾፍ ኢሉ ረኣና። ንሱ ህድእ ኢሉ ንመጓሰኡ ይሕሉ ነበረ። ከልቡ ነተን ካሪቡ ኸይበታተና እናተቘጻጸረ ብጥንቃቐ ይሕልወን ነበረ። እቲ ኸልቢ ናባና ገጹ ብምጥማት ኣሽተተ እሞ ቐልጢፉ ናብ ዕዮኡ ተመልሰ። ነቲ ጓሳ መልእኽትና ነገርናዮ። ምቕልል ኢሉ ኸኣ ሰምዓና።

ናብ ቤትና ኽንምለስ ከለና፡ ንዅሎም እቶም ኣብቲ 300 ኪ.ሜ. ዝወሰደ ጕዕዞና ዝረኸብናዮም ሰባት ክንሓስብ ጀመርና። ኣብዚ ሰፊሕ ጻዕዳ ምድረ በዳ ንዚርከቡ ሰባት ንኽንበጽሖም ንእሽቶ እጃም ከነበርክት ብምኽኣልና፡ ፍሉይ ክብሪ ይስምዓና።

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© Norway Post

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ