ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 15/11 ገጽ 21
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 15/11 ገጽ 21

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እታ የሱስ ክርስቶስ እተሰቕለላ ሰዓት ብልክዕ ክትፍለጥ ትከኣል ድያ፧

እዛ ሕቶ እዚኣ እትለዓል፡ ኣብ መንጎ እቲ ብዛዕባ ኣማውታ የሱስ ዚገልጽ ማርቆስ ዝመዝገቦ ጸብጻብን ሃዋርያ ዮሃንስ ዝመዝገቦ ጸብጻብን ፍልልይ ዘሎ ስለ ዚመስል እዩ። ማርቆስ፡ “እታ ዝሰቐልዎ ጊዜ ኸኣ ሳልሰይቲ ሰዓት ነበረት” በለ። (ማር. 15:25) ዮሃንስ ከኣ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ብኣይሁድ ንኺስቀል ኣሕሊፉ ዝሃበሉ ሰዓት፡ “ኣስታት ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ” ኸም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ። (ዮሃ. 19:14-16) ነዚ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ዚመስል ሓሳባት ንምትዕራቕ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርእይቶ ዚህቡ ኽኢላታት እተፈላለየ መግለጺታት ሂቦም እዮም። ኰይኑ ግን፡ ኣብ መንጎ ኽልቲኡ ጸብጻባት ዘሎ ፍልልይ ንምግላጽ ዜኽእል እኹል ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓበሬታ የልቦን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝነበረ ኣቈጻጽራ ግዜ ምፍላጥና፡ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድሕሪ ክርስቶስ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ንመዓልቲ ኻብ ምብራቕ ጸሓይ ጀሚሮም ክሳዕ ምዕራብ ጸሓይ፡ ኣብ 12 ሰዓት ከፋፊሎም እዮም ዚቘጽሩ ነይሮም። (ዮሃ. 11:9) ስለዚ፡ እታ “ሳልሰይቲ ሰዓት” ካብ ንግሆ ሰዓት ሸሞንተ ኽሳዕ ሰዓት ትሽዓተ እተመልክት ክትከውን ከላ፡ እታ “ሳልሰይቲ ሰዓት” ድማ ኣብ ከባቢ ፋዱስ እያ እትውዳእ። ጸሓይ እትበርቀሉን እትዓርበሉን ሰዓት ኣብ ውሽጢ ዓመት እተፈላለየ ስለ ዝዀነ፡ ንውሓት መዓልቲ እውን ካብ ወቕቲ ናብ ወቕቲ ይፈላለ እዩ። ብዘይካዚ፡ ሰዓት ክንደይ ምዃኑ፡ ብኣንፈት ጸሓይ ይውሰን ስለ ዝነበረ፡ ብግምት እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ መብዛሕትኡ ግዜ ንሳልሰይቲ፡ ንሳድሰይቲ፡ ወይ ንታስዐይቲ ሰዓት፡ ማለት ንኸባቢ እቲ ሰዓት እዩ ዚጠቅስ። (ማቴ. 20:3, 5፣ ግብ. 10:3, 9, 30) እቲ ሰዓት፡ ኣብቲ ዚዝንቶ ዛንታ ኣገዳሲ ኪኸውን ከሎ ጥራይ እዩ ኸም “ሳብዐይቲ ሰዓት” ዝኣመሰለ ንጹር ግዜ ዚጥቀስ ነይሩ።​—ዮሃ. 4:52።

ጸብጻባት ወንጌል ብዛዕባ እቲ ኣብታ የሱስ ኣብ ምድሪ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ተመሳሳሊ እዋን እዩ ዚጠቅስ። ኣርባዕቲኡ ወንጌላት፡ ካህናትን ዓበይትን ምስ ወግሐ ኸም እተኣከቡን ንየሱስ ናብቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ከም ዝወሰድዎን ይገልጽ እዩ። (ማቴ. 27:1፣ ማር. 15:1፣ ሉቃ. 22:66፣ ዮሃ. 18:28) ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን ካብታ የሱስ ተሰቒሉ ዝነበረላ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣትሒዙ “ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት፡” ብዘላ እታ ሃገር ከም ዝጸልመተት ገሊጾም እዮም።​—ማቴ. 27:45, 46፣ ማር. 15:33, 34፣ ሉቃ. 23:44።

ኣብቲ የሱስ ሰዓት ክንደይ ከም እተሰቕለ ዚገልጽ ጸብጻባት ጽልዋ ዘሕደረ ሓደ ረቛሒ፡ መግረፍቲ ኽፍሊ እቲ ስቕለት ጌርካ ስለ እተቘጽረ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓድሓደ እዋን፡ እቲ መግረፍቲ ኣመና ኸቢድ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሰብ እናተገርፈ ኸሎ ይመውት ነይሩ እዩ። ኣብ ልዕሊ የሱስ ዝወረደ መግረፍቲ እውን ብርቱዕ ስለ ዝነበረ፡ ድሕሪኡ ነቲ ዚስቀለሉ ዕንጨይቲ ተሰኪሙ እተወሰነ ርሕቐት ድሕሪ ምኻዱ፡ ካልእ ሰብኣይ ኪጾረሉ ኣድልዩ እዩ። (ሉቃ. 23:26፣ ዮሃ. 19:17) እቲ መግረፍቲ ኽፍሊ እቲ ስቕለት ጌርካ እንተ ተራእዩ፡ ክሳዕ እቲ የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ እተሸንከረሉ እዋን እተወሰነ ግዜ ሓሊፉ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ሓደ ጸሓፊ ኣብቲ መግረፍቲ ዝጀመረሉ ሰዓት ኬተኵር ከሎ፡ እቲ ኻልእ ከኣ ኣብቲ ብልክዕ እተሰቕለሉ ሰዓት ኣተኲሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ጸሓፍቲ ብዛዕባ እቲ የሱስ እተሰቕለሉ እዋን፡ እተፈላለየ ሰዓት ኪጽሕፉ ዝኸኣሉ በዚ ምኽንያት እዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ሃዋርያ ዮሃንስ ካብቲ ኻልኦት ጸሓፍቲ ወንጌል ንመጻሕፍቶም ዝጸሓፉሉ እዋን፡ ብዓሰርተታት ዓመታት ዚቝጸር ድሒሩ እዩ ንወንጌል ዮሃንስ ጽሒፉዋ። ስለዚ፡ ነቲ ኻልኦት ዝጸሓፍዎ ወንጌላት ኪረክብ ይኽእል ነይሩ እዩ። ልክዕ እዩ፡ ዮሃንስ ካብቲ ማርቆስ ዝጸሓፎ እተፈልየ ዚመስል ሰዓት እዩ ጠቒሱ። ይኹን እምበር፡ ከምኡ ምግባሩ፡ ነቲ ማርቆስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ከም ዘለዎ ኸም ዘይገልበጦ ብንጹር ዜርኢ መርትዖ እዩ። ዮሃንስን ማርቆስን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾም እዮም ጽሒፎም። እቲ ፍልልይ ብኸመይ ከም እተፈጥረ ዚሕብር እኹል ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓበሬታ እኳ እንተ ዘይብልና፡ ንወንጌላት ክንኣምኖ ንኽእል ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ