3 ኣምላኽ፡ ፈዳይ ሕነ እዩ እዝስ ሓቂ ድዩ፧
ንስኻ ዝሰማዕካዮ፦ “ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ብምምዝጋብ፡ ንሰባት ኣብ ገሃነም እሳት ኣእትዩ ይቐጽዖም እዩ።”
“ኣምላኽ ብባህርያዊ ሓደጋታት ገይሩ ንሰባት ይቐጽዖም እዩ።”
መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ፦ ኣብ ካልኣይ ጴጥሮስ 3:9፡ የሆዋ፡ “ኵላቶም [ሰባት] ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ” ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ኣብ ጌጋና ዘይኰነስ፡ ኣብ ጽቡቕና እዩ ዜተኵር። እወ፡ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።”—2 ዜና መዋእል 16:9።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገሃነም እሳት ኣይምህርን እዩ፣ ንዘለኣለም ምስቓይ ዚብልዎ ሓሳብ ንባዕሉ ንኣምላኽ የስገድግዶ እዩ። ኣብ ልዕሊ እኩያት ሰባት ዜውርዶ ዝኸበደ መቕጻዕቲ፡ ሞት እዩ። (ኤርምያስ 7:31፣ ሮሜ 6:7) እቲ ንዋላ ሓደ ኸይነሓፈ ዕንወት ዜውርድ ባህርያዊ ሓደጋታት፡ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ኣይኰነን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኬጋጥሞ ዚኽእል ዘይተሓስበ ሓደጋ እዩ።—መክብብ 9:11።
ነቲ ሓቂ ምፍላጥካ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ፦ ኣምላኽ ‘ንይቕረታ ድልዊ፡’ ተሃዊኹ ድማ ዘይኵንን ምዃኑ ምስ ተገንዘብና፡ ናብኡ ኽንቀርብ ኢና። (መዝሙር 86:5) ብጣዕሳ ወይ ብኽቱር ፍርሂ ተደሪኽና ንኣምላኽ ከነገልግሎ የብልናን። የግዳስ፡ ንእምነትና ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክንሃንጻን ብእኡ ተደሪኽና ኸነገልግሎን ንኽእል ኢና። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኸኣ፡ ንኣምላኽ ንምሕጓስ ዚከኣለና ኽንገብር ክትድርኸና እያ።—ማቴዎስ 22:36-38፣ 1 ዮሃንስ 5:3።
ኣምላኽ፡ ኵሎም ሰባት ጽቡቕ ተግባር ኪገብሩ እኳ እንተ ደለየ፡ ብዙሓት ሰባት ከምኡ ኸም ዘይገብሩ ይፈልጥ እዩ። ነቶም ሕማቕ ተግባር ዚገብሩ እንተ ዘየጥፊእዎም ከኣ፡ ከምቲ ሕጊ ዜውጽእ እሞ ዘይትግብሮ ገዛኢ እዩ ዚኸውን፣ ብሰንኩ ኸኣ ምጕዳል ፍትሕን መከራን ኬስፋሕፍሕ ይኽእል እዩ። (መክብብ 8:11) ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንእከይ ስቕ ኢሉ ኸም ዘይርእዮ ምፍላጥና፡ ብዛዕባ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ኸም ዚህልወና እዩ ዚገብር። ኣምላኽ፡ ከምቲ ኣብ ፈለማ ዝዓለሞ፡ “ትሑታት” ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ምእንቲ ኺነብሩ፡ ነቶም ንእኩይ ተግባሮም ዘየቋርጽዎ ሰባት ከም ዜጥፍኦም ኣተስፍዩና ኣሎ።—መዝሙር 37:10, 11, 29።a
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣምላኽ ንምድሪ ብኸመይ ገነት ከም ዚገብራ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3ን 8ን ርአ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ኣምላኽ፡ መቕጻዕቲ ፈሪህና ኸነምልኾ ድዩ ዚደልየና፧
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Engravings by Doré