ትፈልጥዶ፧
የሱስ ንሳውል፡ “ናብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንኣኻ ይገደካ” ኺብሎ ኸሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧—ግብሪ ሃዋርያት 26:14።
▪ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሓረስቶት፡ ነቶም ማሕረሻ ዚጐትቱ እንስሳታት ንምቕላስ፡ ብልሒ ዘለዎ ስላዕ ይጥቀሙ ነበሩ። እቲ ስላዕ፡ ክልተ ሜተርን ፈረቓን ኣቢሉ ዚበጽሕ ቁመት ነበሮ፣ ኣብ ሓደ ጫፉ ድማ በሊሕ ብረት ነበሮ። እቲ እንስሳ ነቲ በሊሕ ብረት እንተ ረጊሕዎ ንርእሱ እዩ ዜቝስል። እቲ ሓደ ጫፍ እቲ ስላዕ ድማ ኣብ መብዛሕትኡ ኸም ዚረአ፡ ኣብ ማሕረሻ ንዘሎ ርስሓት፡ ጭቃ፡ ወይ ጻህያይ ንምጽራይ ኬገልግል ዚኽእል ከም መንደል ጽፍሕ ዝበለ ብልሒ ነበሮ።
ሓድሓደ ግዜ፡ ሰባት ነዚ ስላዕ እዚ ንውግእ እውን ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም። እቲ መስፍንን ተዋጋእን ዝነበረ እስራኤላዊ ሻምጋር፡ “ብስላዕ ብዕራይ” 600 ፍልስጥኤማውያን ቀተለ።—መሳፍንቲ 3:31።
ቅዱሳት ጽሑፋት ነዚ ስላዕ እዚ ብምሳልያዊ መገዲ እውን ይጥቀመሉ እዩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ሰሎሞን ንቓላት ጥበበኛ ሰብ፡ ከም ሓደ ንፈታዊ ቕኑዕ ውሳነ ንምግባር ኣንፈት ዚህብ “ሽኻል” ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።—መክብብ 12:11።
የሱስ እውን ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስእላዊ ዘረባ ተጠቒሙ እዩ። ነቲ ንክርስትያናት ዜሳድድ ዝነበረ ሳውል፡ “ናብ ኣንፊ ብልሒ” ኸየድሓርሕር መኸሮ። እዚ ቓላት እዚ፡ ነቲ ዋናኡ ንዚህቦ ኣንፈት ብድርቅና ዚቃወም እንስሳ እዩ ዚስእለልና። ሳውል ንቓላት የሱስ ሰሚዑ፡ መገዱ ቐየረ፡ ስሙ ናብ ጳውሎስ ተቐይሩ ድማ ሃዋርያ ዀነ።
ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ኣብ እዋን ለይቲ ብኸመይ እዮም ሰዓት ዚቘጽሩ ነይሮም፧
▪ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ኣብ እዋን ቀትሪ ነቲ ዚሓልፍ ግዜ ንምክትታል፡ ሰዓት ጸሓይ ይጥቀሙ ነበሩ። ጸሓይ ብደበና ኽትሽፈን ከላ፡ ወይ ኪመሲ ኸሎ ግና፡ ክሌፕሲድራ ወይ ሰዓት ማይ ይጥቀሙ ነበሩ። ኣይሁድ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ጥንቲ ዝነበሩ ግብጻውያን፡ ፋርሳውያን፡ ግሪኻውያን፡ ከምኡውን ሮማውያን ነዚ ሜላ እዚ ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም።
ብመሰረት ዘ ጂዊሽ ኢንሳይክሎፔድያ፡ “ክሌፕሲድራ ኣብ ሚሽናህን ታልሙድን፡ ምናልባት ንእተፈላለየ ቕርጽን ንድፍን ንምልላይ ተባሂሉ፡ ብእተፈላለየ ስማት ተረቚሑ ኣሎ፣ ኵሉ ግና ንሓደ ነገር እዩ ዜመልክት። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ቐስ እናበለ በብነጥቢ ዚልሕዅ—ቃል ብቓሉ ድማ ዚስረቕ—ማይ የመልክት። እታ ‘ክሌፕሲድራ’ እትበሃል ናይ ግሪኽኛ ቓል ትርጕማ እዚ እዩ።”
ክሌፕሲድራ ወይ ሰዓት ማይ ብኸመይ እዩ ዚሰርሕ ነይሩ፧ ማይ ካብቲ ኣብ ጫፉ ንእሽቶ ነዃል ዘለዎ ኣቕሓ፡ ናብ ካልእ ኣቕሓ ይፈስስ ነበረ። ሓደ ተዓዛቢ፡ ንመጠን እቲ ኣብ ላዕለዋይ ወይ ታሕተዋይ ኣቕሓ ዘሎ ማይ ብምርኣይ፡ ነቲ ዚሓልፍ ግዜ ኺልክዖ ይኽእል ነበረ። ኣብ ክልቲኡ ኣቕሓ ድማ፡ ንመለክዒ ዚኸውን ደረጃታት ይግበረሉ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ወተሃደራዊ መዓስከራት ሮሜ፡ ነተን ኣርባዕተ ግዜያት ሓለዋ ለይቲ ንምፍላይ፡ ነዚ ሰዓት እዚ ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። እቲ ሓላዊ ኪቕየር ከሎ፡ መለኸት ይንፋሕ ነበረ። ነቲ መለኸት ዝሰምዐ ዘበለ፡ ነፍሲ ወከፍ ሓለዋ ለይቲ መዓስ ጀሚሩ መዓስ ከም ዝወድአ ኺፈልጥ ይኽእል ነበረ።—ማርቆስ 13:35።