“ደቂ ሰብ ንምድሪ ኼጥፍእዋ ድዮም፧”
● ምድሪ ኻብ ህዋ ኽትርአ ኸላ፡ ሰማያውን ጻዕዳን ዚሕብራ ጽብቕቲ ዕንቍ እያ እትመስል። ቅርብ ኢልካ ኽትርአ ኸላ ግና፡ ኣንጻር ናይዚ እዩ። ስለምንታይ፧ ደቂ ሰብ እኩያት ተኻረይቲ ስለ ዝዀኑ እዩ። ብዘይካዚ፡ ብብከላን ብምብራስ ኣግራብን ብሕማቕ ኣተሓሕዛን የዕንውዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብስነ-ምግባራውን ብመንፈሳውን መዳይ፡ ማለት ብዓመጽን ብምፍሳስ ደምን ብርኽሰትን እውን የበላሽውዋ ኣለዉ።
እዚ ዜሕዝን ኵነታት እዚ፡ ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመት ይገብር፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት ተገሊጹ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ ራእይ 11:18) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደቂ ሰብ ዘይኰኑስ፡ ኣምላኽ ነቲ ዅነታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዚፈትሖ ተነብዩ ነይሩ እዩ። እዚ ኣገዳሲ ነጥብታት እዚ፡ ኣብቲ፡ “ደቂ ሰብ ንምድሪ ኼጥፍእዋ ድዮም፧” ዚብል ህዝባዊ መደረ ኺግለጽ እዩ። ኣብቲ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ትምጻእ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ እዩ ዚቐርብ፣ እዚ ኣኼባ እዚ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኻብ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኪካየድ እዩ።
ኣብቲ ኣብ ከባቢኻ ዚካየድ ኣኼባ ኣውራጃ ኽትእከብ፡ ብኽብሪ ንዕድመካ። ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከተዘራርቦም ወይ ናብ ሓተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ኽትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ካናዳን ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታታት፡ ኣብ www.jw.org ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።