ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/6 ገጽ 2-4
  • ክቱር ድኽነት እንታይ ይመስል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክቱር ድኽነት እንታይ ይመስል፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ድኽነት ንምጥፋእ ዚግበር ጻዕሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ብዛዕባ ዓሶ ኽትፈልጦ ዘሎካ
    ንቕሑ!—2015
  • ንድኽነት ነባሪ ፍታሕ ምርካብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/6 ገጽ 2-4

ክቱር ድኽነት እንታይ ይመስል፧

ክቱር ድኽነት ኪበሃል ከሎ፡ እኹል ምግብን ማይን ነዳድን ዘይምህላው፡ ብቑዕ መዕቀልን ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ከኣ ዘይምርካብ ስለ ዜመልክት፡ ንህይወት ዜስግእ እዩ። ሓደ ቢልዮን ዚዀኑ ሰባት ኣብ ክቱር ድኽነት እዮም ዚርከቡ፣ እዚ ኸኣ፡ ዳርጋ ማዕረ ተቐማጦ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ማለት እዩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ከም ምዕራብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዚነብሩ ሰባት፡ ኣብ ክቱር ድኽነት ብዛዕባ ዚነብር ሰብ ኣይፈልጡን እዮም። ስለዚ፡ ኣብ ክቱር ድኽነት ብዛዕባ ዚርከቡ ሰባት እስከ ንርአ።

ምባሩሺማ ምስ ሰበይቱን ሓሙሽተ ደቁን ኣብ ሩዋንዳ፡ ኣፍሪቃ እዩ ዚነብር። ሻድሻይ ውሉዶም ብሕማም ዓሶ እዩ ሞይቱ። ምባሩሺማ ኸምዚ በለ፦ “ኣቦይ ንመሬቱ ንሽዱሽቴና ደቁ መቐለና። ብጽሒተይ ኣመና ንእሽቶ ስለ ዝነበረት፡ ንስድራ ቤተይ ሒዘ ናብ ከተማ ገዓዝኩ። ኣነን ሰበይተይን፡ ኣእማንን ሑጻን እናተሰከምና ኢና እንናበር። ቤትና መሳዅቲ የብላን። ኣብ መደብር ፖሊስ ካብ ዚርከብ ዒላ ኢና ማይ እንግልል። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ኢና እንበልዕ፣ ስራሕ እንተ ዘይረኺብና ኸኣ፡ ጾምና ኢና እንውዕል። ከምኡ ኼጋጥም ከሎ፡ ነቶም ምግቢ ደልዮም ዚበኽዩ ደቀይ ክሰምዖም ስለ ዘይደሊ፡ ካብ ቤት ወጺአ እኸይድ።”

ቢክቶርን ካርመንን ሰራሕቲ ጫማ እዮም። ምስ ሓሙሽተ ደቆም፡ ኣብ ቦሊቭያ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ እዮም ዚነብሩ። ኣብ ሓደ ማይ ዜፍስስ ናሕሲ ዘለዎን ኤለክትሪክ ዘይብሉን ዝኣረገ ህንጻ፡ ሓንቲ ኽፍሊ ተኻርዮም እዮም ዚነብሩ። ጓል ቢክቶር እትመሃረሉ ቤት ትምህርቲ እተጨቓጨቐ ስለ ዝዀነ፡ ኣቦኣ፡ ክትጽሕፍ ከላ እትድገፈሉ ጣውላ ሰርሓላ። ቢክቶርን ካርመንን፡ ንመስርሒ ምግብን ንመፍልሒ ዚሰትይዎ ማይን ዚኸውን ዕንጨይቲ ንምምጻእ፡ ዓሰርተ ኪሎ ሜተር ብእግሮም ኪጐዓዙ ኣለዎም። ካርመን ከምዚ በለት፦ “ሽቓቕ ስለ ዘይብልና፡ ኣብ ሩባ ኼድና ኢና ደገ እንወጽእ፣ እዚ ቦታ እዚ፡ መሕጸብ ነብስን እንዳ ጐሓፍን እውን እዩ። ደቅና ብተደጋጋሚ እዮም ዚሓምሙ።”

ፍራንሲስኮን ኢሊድያን ኣብ ሞዛምቢክ ኣብ እትርከብ ገጠር እዮም ዚነብሩ። ካብ ሓሙሽተ ደቆም እቲ ሓደ፡ ሕማም ዓሶ ሒዝዎ፡ ሰኣን ሕክምና ሞተ። ፍራንሲስኮን ኢሊድያን ኣብታ ንእሽቶ መሬቶም ንሰለስተ ወርሒ ዚዀኖም ሩዝን ምቁር ድንሽን የፍርዩ እዮም። ፍራንሲስኮ ኸምዚ በለ፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ዝናም ኣብ ዘይዘንመሉ እዋን ወይ ሰረቕቲ ንእቶትና ኺሰርቅዎ ኸለዉ፡ ንህንጸት ዚኸውን ኣርቃይ ጨዲደ እናሸጥኩ፡ ሒደት ገንዘብ እረክብ። ንኽልተ ሰዓት ብእግርና ናብ በረኻ እናኸድና እውን፡ ንሓዊ ዚኸውን ዕንጨይቲ ንኣሪ ኢና። ኣነን ሰበይተይን ንመስርሒ ምግብን ንመሸጣን ዚኸውን ዕንጨይቲ ተሰኪምና ኢና እነምጽእ።”

ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብዙሕ ሃብቲ እናሃለዎም ክነሱ፡ ካብ 7 ሰባት እቲ 1 ግን ከም ናይ ምባሩሺማን ቢክቶርን ፍራንሲስኮን ዓይነት ናብራ ኺነብር፡ ንብዙሓት ሰባት ዘይፍትሓዊ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ገሊኦም ሰባት ነዚ ጕዳይ እዚ ኺፈትሕዎ ጽዒሮም እዮም። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ ጻዕሮምን ተስፋኦምን ክትገልጽ እያ።

[ኣብ ገጽ 2, 3 ዘሎ ስእሊ]

ካርመን ምስ ክልተ ደቃ ዀይና፡ ማይ ክትወርድ ከላ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ