ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/5 ገጽ 3
  • ተስፋ ዚህብ ጸበባ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተስፋ ዚህብ ጸበባ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ምልክት “ዳሕሮት መዓልትታት” እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ነዚ ጽንኩር ግዜና ዝሕግዝ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ድሕሪ ሓጺር እዋን ዚህሉ ዝሓሸ ግዜ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/5 ገጽ 3

ተስፋ ዚህብ ጸበባ

“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1።

ነዚ ዚስዕብ ዜሕዝን ፍጻመታት ብዓይንኻ ርኢኻ ወይ ብዛዕባኡ ሰሚዕካ ትፈልጥዶ፧

● ቀታሊ ሕማም ንሓያሎ ሰባት ቀዚፉ።

● ጥሜት ንኣማእታት ሰባት ቀቲሉ።

● ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንኣሽሓት ቀቲሉ፡ ንሓያሎ ኻልኦት ከኣ ብዘይ መንበሪ ኸም ዚተርፉ ገይርዎም።

ኣብዚ ቐጺሉ ዘሎ ገጻት፡ ብዛዕባ እዝን ካልእን ዜሕዝን ፍጻመታት ክንምርምር ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዳሕሮት መዓልትታት” ተባሂሉ ኣብ ዚጽዋዕ እዋን ብዛዕባ ዚፍጸም ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዚንበ ምዃኑ እውን ክንርኢ ኢና።a

እዘን ዓንቀጻት እዚኣተን፡ ብጸገም ኣብ ዝመልአት ዓለም ንነብር ምህላውና ንኼእምናኻ ኣይኰናን ተዳልየን። ምናልባት ገለ ኻብቲ ጸገማት ኣጋጢሙካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዘን ዓንቀጻት እዚኣተን ግን፡ ተስፋ ንኽትገብር ተባሂለን እየን ተዳልየን። ፍጻመ እቲ ቐጺልና እንርእዮ ሽዱሽተ ትንቢታት፡ መወዳእታ እተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ከም ዝቐረበ ዚሕብር ምዃኑ ንኽትርዳእ ኪሕግዛኻ እየን። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እዚ ፍጻመታት እዚ ብተደጋጋሚ ዚስማዕ ተቓውሞ ኺገልጻን ድሕሪ ሓጺር እዋን ዝሓሸ መጻኢ ኸም ዚህሉ ዜእምን ብቑዕ ምኽንያት ኬቕርባን እየን።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣምላኽ እዚ ሕማቕ ኵነታት ኪህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ “ኣምላኽ፡ እከይን መከራን ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ኣብ ገጽ 16ን 17ን ዘላ ዓንቀጽ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ