ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/3 ገጽ 8-9
  • “መወዳእታ” እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “መወዳእታ” እንታይ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዛዕባ መወዳእታ ንዚለዓል ኣርባዕተ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ምድሪ ኽትጠፍእ ድያ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መወዳእታ ዓለም ኬፍርሃካ ይግባእዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ዓለም ክትጠፍእ ድያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/3 ገጽ 8-9

“መወዳእታ” እንታይ እዩ፧

“. . . ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።”—ማቴዎስ 24:14።

ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ብዙሕ እዩ ዚዝረብ ዘሎ። ካብቲ ንዋዛ ተባሂሉ ዚዳሎ መጻሕፍትን ፊልምታትን መጽሔታትን ኣትሒዝካ ኽሳዕ እቲ ስነ-ፍልጠታዊ ጽሑፋት፡ ብዛዕባ ምጽኣተ-ዓለም ዚገልጽ እተፈላለየ መዓት ሒዙ እዩ ዚወጽእ። እዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ህልቂት፡ ብዛዕባ ምግጫው ኣስተሮይድ፡ ብዛዕባ ቐታሊ ቫይረስ፡ ብዛዕባ ኽትቈጻጸሮ ዜጸግም ለውጢ ዅነታት ኣየር፡ ወይ ብዛዕባ ኻብ ህዋ ዝመጹ ወረርቲ ዜጠቓልል እዩ።

ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ እውን ይፈላለ እዩ፣ ብዙሓት ሰባት፡ እቲ “መወዳእታ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ህይወት ዘለዎ ነገራት ዚጠፍኣሉ እዋን ከም ዝዀነ እዮም ዚምህሩ። ሓደ ናይ ሃይማኖት ምሁር ንማቴዎስ 24:14 ጠቒሱ ርእይቶኡ ኺህብ ከሎ፡ “እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ሓንቲ ኻብተን . . . ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከባ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለወን ጥቕስታት እያ” በለ፣ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “እዚ ዘለናሉ ወለዶ፡ መብዛሕትና ኽንሓስበሉ ዘይንደሊ ኣዝዩ ኸቢድ ጥፍኣት ኬጋጥሞ ኸም ዚኽእል” ሓበረ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ፡ ንሓደ ኣገዳሲ ሓቂ፡ ማለት የሆዋ ኣምላኽ ንምድሪ ኸም ‘ዘጽንዓ፡’ ከምኡውን “ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር፡ ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ” ምዃኑ ንዚገልጽ ሓቂ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኰነን። (ኢሳይያስ 45:18) ስለዚ፡ የሱስ ብዛዕባ “መወዳእታ” ኺዛረብ ከሎ፡ ምድሪ ኸም እትጠፍእ ወይ ደቂ ሰብ ከም ዚድምሰሱ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም ብንቕጽና ምስ ፍቕራዊ መምርሒ የሆዋ ተሰማሚዖም ኪነብሩ ዘይደልዩ እኩያት ሰባት ከም ዚጠፍኡ እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

ነዚ ዚስዕብ መረድኢ እስከ ንርአ፦ ጽቡቕ ቤት ከም ዘሎካን ንገሊኦም ሰባት ብናጻ ኺነብሩሉ ኸም ዝፈቐድካሎምን ጌርካ እሞ ሕሰብ። ገሊኦም ነበርቲ ብሰላም ይነብሩን ንቤትካ ብጽቡቕ ይሕዝዎን እዮም። ገሊኦም ግን፡ መዕገርገርትን ንሓድሕዶም ዚበኣሱን ነቶም ንፉዓት ነበርቲ ዜሸግሩን እዮም። ንንብረትካ ኣብ ርእሲ ምብልሻዎም፡ ነቲ ንተግባሮም ኬቋርጽዎ ኢልካ እትገብሮ ጻዕሪ ብንቕጽና ይነጽግዎ።

ነቲ ጕዳይ ንምፍታሕ እንታይ ምገበርካ፧ ንቤትካ መፍረስካዮዶ፧ ከምኡ ኽትገብር ዘይመስል እዩ። ምናልባት ነቶም እኩያት ነበርቲ ሰጒጕካ፡ ንቤትካ መተዓራረኻዮ።

የሆዋ እውን ምስዚ ዚመሳሰል ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እኩያት ኪጸንቱ እዮም፡ ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ . . . ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፡ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፡ ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:9-11።

ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረ፡ ምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ምዃና፡ ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ አለዉ። እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ፡ በቲ ማይ፡ ተሰጢማ ጠፍኤት።” (2 ጴጥሮስ 3:5, 6) ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ ብዘመን ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ እዩ ዚጠቅስ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት ደኣ እምበር፡ ምድሪ ኣይኰነትን ጠፊኣ። እቲ ማይ ኣይሂ፡ “ነቶም ደሓር ዝመጹ በደለኛታት መሰክሒ” እዩ ነይሩ።—2 ጴጥሮስ 2:6።

ጴጥሮስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን . . . ንሓዊ ይሕሎ አሎ” በለ። ኣብዛ ሓሳብ እዚኣ ጥራይ እንተ ኣተኲርና፡ ነታ ጥቕሲ ብጌጋ ኽንርድኣ ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግን፡ ኣብታ ጥቕሲ፡ “እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባት” ዚብል ሓሳብ እውን ኣሎ። ስለዚ፡ ምድሪ ዘይኰነትስ፡ እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት እዮም ዚጠፍኡ። ድሕሪኡኸ እንታይ እዩ ዜጋጥም፧ ጴጥሮስ፡ “ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን [መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ] ሓድሽ ምድርን [ጻድቕ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ] ንጽበ አሎና” ኢሉ ጸሓፈ።—2 ጴጥሮስ 3:7, 13።

ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መወዳእታ” ኸም ዝቐረበ ይሕብር እዩ። እዚ ሓቂ ኸም ዝዀነ ንምፍላጥ፡ ማቴዎስ 24:3-14ን 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5ን ኣንብብ።a

ነታ ቘልዓ እውን ከይተረፈ ኺርድኣ ዚኽእል ማቴዎስ 24:14 ብዚምልከት ክንድዚ ዚኣክል ሕንፍሽፍሽ ምህላዉስ ኣየገርመካንዶ፧ ከምኡ ዝዀነሉ ሓደ ምኽንያት፡ ሰይጣን ንሰባት፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ክቡር ሓቂ ኸይርድእዎ ስለ ዘዖሮም እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:4) ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንዕላማኡ ኻብ ዕቡያት ሓቢኡ፡ ንትሑታት እዩ ዚገልጸሎም። የሱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ፡ ኤመስግነካ አሎኹ” በለ። (ማቴዎስ 11:25) ሓደ ኻብቶም ንእንታይነት መንግስቲ ኣምላኽ እተረድኡን ነቲ ንደገፍታ እተምጽኦ በረኸት ኪረኽቡ ዚህንጠዩን ምዃንሲ፡ ከመይ ዝኣመሰለ ኽብሪ ዀን እዩ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 9 ርአ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ እከይ፡ “መወዳእታ” ኽትገብረሉ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ