ወንጌል እንታይ እዩ፧
“እዚ ወንጌል . . .”—ማቴዎስ 24:14።
ክርስትያናት “ወንጌል መንግስቲ” ኺሰብኩ ኣለዎም፣ እዚ ኸኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ንምድሪ ብጽድቂ ኸም እትገዝኣ ምግላጽ የጠቓልል። ኰይኑ ግን፡ እታ “ወንጌል” እትብል ቃል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኻልእ መገዲ እውን ተዓይዩላ ኣሎ። ንኣብነት፡ “ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡” (ኤፌሶን 1:13)፣ “ወንጌል ኣምላኽ” (ሮሜ 15:16)፣ “ወንጌል ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ” ዚብል መግለጺ ንረክብ ኢና።—ማርቆስ 1:1።
ብሓጺሩ፡ እቲ ወንጌል፡ ነቲ የሱስ እተዛረቦን ደቀ መዛሙርቱ ዝጸሓፍዎን ሓቅታት ዜጠቓልል ብስራት እዩ። የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ንሰዓብቱ፡ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” በሎም። (ማቴዎስ 28:19, 20) ስለዚ እምበኣር፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኻልኦት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰኑን ኪሕብርዎም ዚግባእ፣ የግዳስ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ እውን ኪጽዕሩ ኣለዎም።
ኣብያተ-ክርስትያን ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ይገብራ ኣለዋ፧ ብዙሓት ሰባት ንእንታይነት መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዘይተረድእዎ፡ ንኻልኦት ብዛዕባኣ ብልክዕ ኪምህሩ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዛዕባ ይቕረታ ሓጢኣትን ኣብ የሱስ ብዛዕባ ምእማንን ብምምሃር፡ ንሰማዕቶም ባህ ዜብል ነገራት እዮም ዚሰብኩ። ብዘይካዚ፡ ማሕበራዊ ዕዮታት ብምዕያይ ወይ ንድኻታት ዚኸውን ሆስፒታላትን ኣብያተ-ትምህርትን ኣባይትን ብምህናጽ፡ ሰባት ናብኦም ከም ዚሰሓቡ ኺገብሩ ይፍትኑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕርታት ቍጽሪ ኣባላት ዜዛይድ እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ ትምህርትታት የሱስ ተሰማሚዖም ኪነብሩ ዚከኣሎም ዚገብሩ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን ኣየፍርን እዩ።
ሓደ ናይ ሃይማኖት ምሁር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “መብዛሕትኦም ምሁራትን መራሕትን ክርስትና፡ ንኻልኦት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክንገብሮምን ነቲ የሱስ ዝበሎ ኺገብሩ ኽንምህሮምን ከም ዘሎና ይሰማምዑ እዮም። . . . የሱስ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዝሃቦ መምርሒ ንጹር እዩ። ንሕና ኢና ኸምቲ ዝበለና ዘይንገብር ዘለና። ከምኡ ኽንገብር እውን ኣይፈተንናን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ብኸመይ ክንገብሮ ኸም ዘሎና ኣይንፈልጥን ኢና።”
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ዚነብሩ ሰዓብቲ ካቶሊክ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ 95 ሚእታዊት ዝዀኑ ሰባት፡ ንስብከት ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ከም ብቕዓት እምነቶም ገይሮም ዚርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ዳርጋ ዅሎም ግን ነዚ ብቕዓት እዚ ኸተማልኣሉ እትኽእል ብሉጽ መገዲ፡ ብዛዕባ እቲ ወንጌል ብምዝራብ ዘይኰነስ ንኻልኦት ኣብነት ኴንካ ብምንባር ከም ዝዀነ እዩ ዚስምዖም። ሓንቲ ኻብቶም እተሓተቱ ሰባት፡ “ወንጌላውነት ብዘረባ ጥራይ ዚተርፍ ነገር ኣይኰነን። ንሕና ንባዕልና ወንጌል ክንከውን ኣሎና” በለት። ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደቶ ዩ.ኤስ. ካቶሊክ እትበሃል መጽሔት ከም ዝሓበረቶ፡ “እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ምስታ ቤተ-ክርስትያን ተተሓሒዙ ዚጥቀስ ዘሎ ንጾታዊ ማህሰይቲ ዚምልከት ንውርምናን እቲ ጸገም ዘለዎ ትምህርትታት ቤተ-ክርስትያንን፡” ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እምነቶም ንኻልኦት ንኸይነግሩ ዕንቅፋት ኰይንዎም ኣሎ።
ኣብ ካልእ ቦታ ዚነብር ኣቡን እምነት ሜቶዲስት፡ ኣብያተ-ክርስትያናቱ ተጐጃጂለንን ተደናጊረንን ከም ዘለዋ፡ ተልእኾአን ንኺፍጽማ ዜድልየን ትብዓት ከም ዘይብለን፡ ከምኡውን እቲ ዚስዕባኦ ስርዓታት ካብቲ ሕብረተሰብ ጸብለል ዝበለ ኸም ዘይኰነ መረረኡ ገለጸ። ተስፋ ምቝራጽ ብዜንጸባርቕ ቃና ድማ፡ “ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ኪጸውር ዚኽእል ደኣ እሞ መን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ።
እቲ ኣቡን ነታ ዝሓተታ ሕቶ ኣይመለሳን። ኰይኑ ግን፡ መልሲ ኣለዋ። ነቲ መልሲ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክትረኽቦ ኢኻ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ወንጌል፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዚርከብ ድሕነትን እዩ ዚገልጽ