ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/3 ገጽ 2-3
  • ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎ ትንቢት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎ ትንቢት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዲና እንነብር ዘለና፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ ድዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ሃዋርያት፡ ምልክት ሓተቱ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ብዛዕባ “መወዳእታ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/3 ገጽ 2-3

ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎ ትንቢት

“እዚ ወንጌል [“ብስራት፡” NW] መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።”—ማቴዎስ 24:14።

እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣዝያ ኣገዳሲት ምዃና፡ ምሁራት ይሰማምዑ እዮም። ከምኡ ኪኸውን ዝኸኣለ፡ እቲ ኣብታ ጥቕሲ ተገሊጹ ዘሎ ዕዮ፡ ዓለምለኻዊ ስፍሓት ስለ ዘለዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ እታ ጥቕሲ ብዛዕባ ክርስትያናት ኪገብርዎ ዚግባእ ነገር እትገልጽ ምዃና፡ ኣገዳሲት ይገብራ እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ እቲ የሱስ “መወዳእታ” ኢሉ ገሊጽዎ ዘሎ ኣገዳስን ሰፊሕን ፍጻመ ቕድሚ ምጅማሩ ዚዕየ ዕዮ ስብከት እዩ።

ሎሚ እታ ትንቢት ዝሓዘለት ጥቕሲ ትፍጸም ኣላ። እቲ ወንጌል ወይ ብስራት፡ ጻውዒትን መጠንቀቕታን ዝሓዘ ስለ ዝዀነ፡ ንዓኻ እውን ይምልከተካ እዩ። ንመንግስቲ ኣምላኽ፡ ወይ ክትቅበላ ወይ ክትነጽጋ ምርጫ ቐሪቡልካ ኣሎ። እትገብሮ ምርጫ ድማ ንህይወትካ ይጸልዎ እዩ።

ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ንዘሎ ሓሳብ እስከ ንመርምር። የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ሓያሎ መዓልትታት ይገብር፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም ብዛዕባ መጻኢ ሓተትዎ። ብዛዕባ ምምስራት እታ የሱስ ብተደጋጋሚ ዚዛረበላ መንግስቲ ኣምላኽ እዮም ኪፈልጡ ደልዮም ነይሮም። ብዛዕባ “መወዳእታ ዓለም፡” ወይ ብመሰረት ካልእ ትርጕም ብዛዕባ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” እውን ኪፈልጡ ደልዮም ነይሮም እዮም።—ማቴዎስ 24:3፣ NW።

የሱስ ኪምልሰሎም ከሎ፡ መጠነ-ሰፊሕ ውግእን ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ከም ዚህሉ ተነበየ። ብዘይካዚ፡ ዓመጻ ኸም ዚበዝሕ፡ ነብያት ሓሶት ንብዙሓት ከም ዜስሕቱ፡ ከምኡውን ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ዚጽልኡን ከም ዚስጐጉን ገለጸ። እዚ ዅሉ ኽፉእ ወረ እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 24:4-13፣ ሉቃስ 21:11።

ይኹን እምበር፡ እቲ ትንቢት፡ ብስራት እውን ዝሓዘ እዩ ነይሩ። የሱስ ቀጺሉ ነተን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ንሓያሎ ዘመናት ንደቂ ሰብ ኣዕሚቖም ከም ዚሓስቡን ከም ዚለዓዓሉን ዝገበራኦም ቃላት ተዛረበ። ሰባት ብዛዕባ ኣገዳስነት እተን የሱስ እተዛረበን ቃላት ይሰማምዑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዛዕባ ትርጕመን ግን ንሓድሕዱ ዚጋጮ ርእይቶ እዩ ዘለዎም። ንምዃኑ ወንጌል መንግስቲ እንታይ እዩ፧ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ እቲ ትንቢት መዓስን ብመንን እዩ ዚፍጸም፧ “መወዳእታ”ኸ እንታይ እዩ፧ ነዚ እስከ ንመርምሮ።

[ኣብ ገጽ 2ን 3ን ዘሎ ስእሊ]

ቅዳሕ እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዚርከብ ኢደ-ጽሑፍ ኣርባዕተ ወንጌላት። ማቴዎስ 24:14 ጐሊሓ ኣላ

[ምንጪ ስእሊ]

From the book Facsimile of the Washington Manuscript of the Four Gospels in the Freer Collection 1912

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ