ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 15/2 ገጽ 11
  • ጻማ ኣለዎ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጻማ ኣለዎ!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምኽሪ መጽናዕቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ንናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ዚኸውን ናይ ስድራቤት መደብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ንዘለኣለም ክንነብር እንኽእለሉ መገዲ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ብስድራቤት መልክዕ ስርዓታውያን ኴንኩም ቃል ኣምላኽ ኣጽንዑ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 15/2 ገጽ 11

ጻማ ኣለዎ!

ውሉዳት “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ኪዓብዩ እንተ ዀይኖም፡ ኣምልኾ ስድራ ቤትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣገዳሲ እዩ። (ኤፌ. 6:4) እንተዀነ ግን፡ ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ቈልዑ ብቐሊሉ ኺስልክዮም ከም ዚኽእል ትፈልጥ ኢኻ። ኣቓልቦኦም ብኸመይ ክትሕዝ ትኽእል፧ ገሊኦም ወለዲ ዝገበርዎ እስከ ርአ።

ጆርጅ ዚበሃል ኣብ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ.፡ ዚነብር ኣቦ ኸምዚ በለ፦ “ደቅና ንኣሽቱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣነን ሰበይተይን ነቲ ናይ ስድራ ቤትና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሳጢ ኽንገብሮ ንጽዕር ነበርና። ሓድሓደ ግዜ፡ ኵላትና ኸም ገጸ-ባህርያት መጽሓፍ ቅዱስ ተኸዲንና፡ ካብታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት እናኣንበብና ንዋሳእ ነበርና። ነቲ ተዋስኦ ዚኸውን ኣስያፍን ዘንግታት መንግስትን ዘናቢልን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ናውትን እውን ከይተረፈ ነዳሉ ነበርና። ‘ኣነ መን እየ፧’ ዚበሃል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጸወታ ንጻወት ነበርና፣ እተፈላለየ ደረጃታት ክብደት ዘለዎ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ ጸወታ እውን ኣዳሎና። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ፕሮጀክትታት ነበረና፣ ንኣብነት፡ ናይ መርከብ ኖህ ሞደል ንሰርሕ ወይ ብዛዕባ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ሰሌዳ ግዜ ንስእል ነበረና። ሓድሓደ ግዜ፡ ገጸ-ባህርያት መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ዛንታታት ዜርኢ ስእልታት ንስእል ነበርና። ሕጂ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ኤፌሶን 6:11-17 ተገሊጹ ዘሎ መንፈሳዊ ኣጽዋር ክንስእሎ መደብ ጌርና ኣለና፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነፍሲ ወከፍና ንሓደ ኻብቲ ኣጽዋር እንታይ ከም ዜመልክት ክንገልጽ ኢና። እዚ ሜላታት እዚ፡ መጽናዕቲ ስድራ ቤትና ባህ ዜብል ንኪኸውን ሓጊዙና እዩ።”

ኣብ ሚሽጋን፡ ሕ.መ.ኣ.፡ እትነብር ዴቢ ዝስማ ኣደ እውን ከምዚ በለት፦ “ጓልና ጓል ሰለስተ ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣነን ሰብኣየይን ኣቓልቦኣ ኽንረክብ ኣይከኣልናን። ሓደ መዓልቲ፡ ካብ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት፡ ዛንታ ይስሃቅን ርብቃን ዓው ኢለ ኸንብበላ ኸለኹ፡ ብኽልተ ባምቡላ ገይረ ኸም ዚዛረቡ ኣምሲለ ኣንበብኩላ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብኣቓልቦ ተኸታተለት። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ኣዋርሕ፡ እተን ባምቡላታት ንብዙሓት ገጸ-ባህርያት መጽሓፍ ቅዱስ ወኪለን ኣገልገላ። ሓደ ዛንታ ምስ ኣንበብና፡ ጓልና ነቲ ዛንታ ዚዀና ባምቡላታት ወይ ካልእ ነገራት ንምርካብ ሃሰው ትብል እያ። ሕቡእ መዝገብ ከም እትደሊ እያ እትኸውን። ሓደ ግዜ፡ ናይ ጫማ ካርቶንን ቀይሕ ሸሪጥን ከም ቤት ረሃብን ቀይሕ ገመድን ኰይኑ ኣገልገለ። ሓደ ሜተርን ፈረቓን ዚኣክል ባምቡላ ተመን ኣብ ዕንጨይቲ መዀስተር ብምጥቕላል ከኣ፡ ነቲ ኣብ ዘሁልቍ 21:4-9 ዚርከብ ኣስራዚ ተመን ወከለ። ነዚ ናውቲ እዚ ኣብ ሓደ ዓብዪ ኸረጺት ኢና እነቐምጦ። ጓልና ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢላ፡ ኣብታ ‘ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘት ሳንጣ’ ሃሰውሰው ክትብል ከላ የሐጕሰና እዩ። ነቲ ዛንታታት ብናታ ኣበሃህላ ገይራ ኽትገልጾ ኸላ ምርኣይ፡ ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ!”

ቈልዑ ምዕባይ ቀሊል ኣይኰነን፣ ንየሆዋ ንምግልጋል ባህጊ ንኺሓድሮም፡ ሰሙናዊ ትምህርቲ ምሃብ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ኣምልኾ ስድራ ቤትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ግን፡ ንኻልእ መንፈሳዊ ትምህርቲ መሰረት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ዅሉ ጻዕሪ እዚ፡ ብዘይ ጥርጥር ጻማ ኣለዎ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ