ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/2 ገጽ 3
  • ሓዳር ዚፈርስ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓዳር ዚፈርስ ስለምንታይ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ፍትሕ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • “ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶ” ኣኽብሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • “ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ . . .”
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/2 ገጽ 3

ሓዳር ዚፈርስ ስለምንታይ እዩ፧

“ፈሪሳውያን ድማ፡ ሰብኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ፡ ተፈቒዱሉ እዩ፧ ኢሎም [ንየሱስ] ኪፍትንዎ ናብኡ መጹ።”—ማቴዎስ 19:3።

ብግዜ የሱስ ዚነብሩ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት፡ ሓዳር ነባሪ ኪኸውን ዚኽእል ወይ ዚግባእ እንተ ዀይኑ ሕቶ ኣበገሱ። የሱስ ከኣ፡ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም። ድማ፤ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ” ኢሉ መለሰሎም።a (ማቴዎስ 19:4-6) እምበኣር፡ ኣምላኽ፡ ሓዳር ነባሪ ኪኸውን እዩ ሓሊኑ ነይሩ።

ሎሚ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት፡ ኣስታት 40 ሚእታዊት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዚዀኑ ሰብ ሓዳር ‘ይፈላለዩ’ ወይ ይፋትሑ እዮም። እሞኸ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳር ዚህቦ ምኽሪ ግዜኡ ዝሓለፎ ድዩ፧ ሓዳር ዚፈርስ ዘሎ፡ ስርዓት መውስቦ ብሱሩ ሽግር ስለ ዘለዎ ኪኸውን ይኽእልዶ፧

ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ክልተ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ሓደ ዓይነት ሞዴል ዘለወን ማካይን ዓዲጎም ንበል። እቶም ሓደ ጽምዲ ንማኪናኦም ይከናኸንዋን ተጠንቂቖም ይዝውርዋን እዮም። ስለዚ ኸኣ፡ ማኪናኦም ኣይተበላሸወትን። እቶም ካልኣይ ጽምዲ ግን፡ ግዜ መዲቦም ንማኪናኦም ኣይተኸናኸኑን፣ ኣዘዋውራኦም እውን ሕማቕ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ማኪናኦም ተበላሸወት፣ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ እውን ኰነት። እቲ ጸገም ናይታ ማኪና ድዩ ወይስ ናይቶም ሰብ ማኪና፧ እቲ ሓላፍነት ብቐንዱ ኣብቶም ዋናታት ከም ዚወድቕ ርዱእ እዩ።

ብተመሳሳሊ፡ ብዙሕ ሓዳር ይፈርስ ምህላዉ፡ ስርዓት መውስቦ ገለ ጸገም ስለ ዘለዎ እዩ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ሚልዮናት ሰባት ዘለዎም ዕዉት ሓዳር፡ ከምኡ ኸም ዘይኰነ እዩ ዜረጋግጽ። ዕዉት ሓዳር ንውልቀ-ሰባትን ንስድራ ቤታትን ንማሕበረሰብን፡ ሓጐስን ርግኣትን ኣምጺኡሎም እዩ። ኰይኑ ግን፡ ሓዳር፡ ከም ማኪና ኽትከናኸኖን ኣለይ መለይ ክትብሎን የድሊ እዩ።

ሓዳርካ ናይ መዓልትታት ወይ ናይ ዓመታት ዕድመ ይሃልዎ ብዘየገድስ፡ እቲ ብኸመይ ክትከናኸኖን ከተደልድሎን ከም እትኽእል ዚገልጽ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓዳርካ እውን ይዓዪ እዩ። ኣብታ እትቕጽል ገጽ፡ ገለ ኣብነታት እስከ ርአ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብምኽንያት ዝሙት፡ ፍትሕ ይፈቅድ እዩ።—ማቴዎስ 19:9።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ