ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/12 ገጽ 3
  • ገለስ ኣሎ ግናኸ መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ገለስ ኣሎ ግናኸ መን እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብሩ መን እዮም፧
    መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧
  • ብዛዕባ መንፈሳዊ ዓለም እተራእየ ራእያት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ብዛዕባ ዚነብሩ ዚልዓል ሕቶታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/12 ገጽ 3

ገለስ ኣሎ ግናኸ መን እዩ፧

ኣብ ኤውሮጳ እትነብር ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ፡ መቝጸርያ ሒዛ ኣብ ቅድሚ ምስሊ ማርያም ተምበርከኸት። ኣባላት ሓንቲ ኣብ ኣፍሪቃ እትነብር ስድራ ቤት፡ ኣብ ጥቓ መቓብር ሓደ ኽቡር ቤተሰቦም፡ ጂን ኣፍሰሱ። ኣብ ኣመሪካ ዚነብር ሓደ መንእሰይ፡ ምስቲ ኸም ዚሕልዎ ዚኣምነሉ መልኣኽ ምእንቲ ኺራኸብ፡ ጾመን ኣስተንተነን። ኣብ እስያ ዚነብር ሓደ ኻህን፡ ሕብራዊ ወረቓቕቲ ብምንዳድ፡ ንመናፍስቲ ኣቦሓጎታት መስዋእቲ ኣቕረበሎም።

ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ዜመሳስሎም ነገር ኣሎ፧ ኵሎም፡ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብሩ መስተውዓልቲ ፍጡራት ከም ዘለዉ፡ ምስኦም ክንራኸብ ከም እንኽእል፡ ከምኡውን ንህይወት ሰባት ኪጸልዉ ኸም ዚኽእሉ ይኣምኑ እዮም። ሓቂ እዩ፡ እዚ እምነት እዚ፡ ሓድሽ ወይ ከኣ ዜስደምም ኣይኰነን። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም መን ከም ዚነብር ዚገልጽ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ብዙሕ ሓሳባት ምህላዉ ግን ዜስደምም እዩ።

ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ንሓደ ኣምላኽ፡ ማለት ንኣላህa እዮም ዜምልኹ። ኣባላት ህዝበ-ክርስትያን ከኣ፡ ኣምላኽ ብኣቦን ብወድን ብመንፈስ ቅዱስን ዝቘመ ስላሴ ኸም ዝዀነ ይገልጹ እዮም። ሰዓብቲ እምነት ሂንዱነት፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣማልኽቲ ኸም ዘለዉ ይኣምኑ እዮም። መናፍስቲ ኣብ እንስሳታትን ኣግራብን ኣኻውሕን ወሓይዝን ከም ዚሰፍሩ ዚገልጹ ሰባት እውን ኣለዉ። ገሊኦም ከኣ፡ በቲ ብዛዕባ መላእኽትን ኣጋንንትን ምትሃታትን ስርኤላትን ኣማልኽትን ዚገልጽ መጻሕፍትን ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን ይጽለዉ እዮም።

ከምቲ ብዛዕባ ኣማልኽቲ እተፈላለየን ንሓድሕዱ ዚጋጮን ሓሳባት ዘሎ፡ ብኸመይ ከም እትቐርቦም እውን እተፈላለየን ንሓድሕዱ ዚጋጮን ሓሳባት እዩ ዘሎ። መቸም ኵሉ ቕኑዕ ኪኸውን ከም ዘይክእል ዚከሓድ ኣይኰነን። ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እሞ ርአ፦ ተሌፎን ቅድሚ ምድዋልና፡ ናብ መን ከም እንድውል፡ እቲ እንድውለሉ ሰብ ብህይወት እንተ ኣልዩ፡ ከምኡውን ደዊልና ዚቕበለና እንተ ዀይኑ ኸነረጋግጽ ኣሎና። ኣብ ኣእምሮና ናብ ዝሰኣልናዮ ሰብ ክንድውል እንተ ፈቲንና ግን፡ ደኺምና ኢና እንተርፍ። ናብ ሓደ መደናገሪ ኽንድውል እንተ ፈቲንና እሞ ኸኣ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እሞኸ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብር መን እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ይምልሳ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ መን ክንራኸብ ከም ዘሎናን እንታይ ምላሽ ከም እንረክብን እውን ይገልጽ እዩ። ስለዚ፡ ንባብካ ቐጽል እሞ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ምስ ፈለጥካ፡ ክትግረም ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a “ኣላህ” ኪበሃል ከሎ፡ ተጸውዖ ስም ዘይኰነስ፡ “ኣምላኽ” ማለት እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ