ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 15/10 ገጽ 32
  • “ልቦም ንምትንካፍ ሓጊዛትኒ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ልቦም ንምትንካፍ ሓጊዛትኒ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰባት ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ይብሉ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ነቲ ንተዛረብቲ ቛንቋ ወጻኢ ዚቐርብ ኣገልግሎት ምምዕባል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • እንተዘይተመሊስናዮም ደኣ ከመይ ገይሮም ክሰምዑ?
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 15/10 ገጽ 32

“ልቦም ንምትንካፍ ሓጊዛትኒ”

ቅድሚ እተወሰነ ግዜ፡ ኣብ ደቡባዊ ብራዚል ኣብ እትርከብ ከተማ ፖርቶ ኣለግረ፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ጕዳያት ኣህጉራዊ ዋዕላ ተገይሩ ነይሩ። ካብ 135 ሃገራት ዝመጹ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብቲ ዋዕላ ተኣኪቦም ነይሮም። ኣብ እዋን ዕረፍቲ፡ ኣባላት ሓንቲ ኣብ ፖርቶ ኣለግረ እትርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ልኡኻት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኬካፍልዎም ጸዓሩ። ብኸመይ ኪረዳድኡ ኽኢሎም፧

ኤሊዛቤት ዝስማ ሓንቲ ፈላሚት፡ “ነታ ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት ዘርእስታ ጽሕፍቲ ተጠቒምና” በለት። ኣስዒባ እውን፡ “ብዙሓት ልኡኻት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ፈጺሞም ሰሚዖም ዘይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ነቲ መልእኽትና ግን ብጽቡቕ እዮም ተቐቢሎምዎ። ካብ ህንድን ቦሊቭያን ቻይናን ናይጀርያን እስራኤልን ፈረንሳን ንዝመጹ ሰባት ኣዘራሪብና ኢና። ንገሊኦም ልኡኻት ዚኸውን ብቛንቋኦም እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ነይሩና፡ ንሳቶም እውን ተሓጒሶም ተቐቢሎምና” በለት።

ኣብ መክሲኮ፡ ራውል ዚበሃል ፈላሚ በዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ጽቡቕ ፍረ ረኺቡ እዩ። ቅድሚ እተወሰነ እዋን፡ ንሓደ ኣብ ቀረባ ግዜ ሰበይቱ ዝሞተቶ ወዲ 80 ዓመት ዝዀነ ዓረብ ኬዘራርቦ ፈተነ። እቲ ሰብኣይ፡ ኣብታ ጽሕፍቲ ዚርከብ ብዓረብኛ እተዳለወ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኣንበበ፡ ብሓጐስ ነብዐ። ስለምንታይ፧ ነቲ ኣብ ራእይ 21:3, 4 ዚርከብ ሞት ደጊም ከም ዘይህሉ ዚገልጽ ኣምላኽ ዝሃቦ ተስፋ፡ ብቛንቋኡ ምስ ኣንበቦ፡ ውሽጡ ተተንከፈ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ራውል ብዘይወግዓዊ መገዲ ኺሰብኽ ከሎ፡ ምስ ሓደ ፖርቱጋልኛ ዚዛረብ ሰብኣይ ተራኸበ። እቲ ሰብኣይ እቲ እውን፡ ዜፍቅሮ ወዱ ሞይትዎ ነይሩ እዩ። ራውል ነቲ ሰብኣይ፡ ኣብታ ጽሕፍቲ ዚርከብ ብፖርቱጋልኛ እተጻሕፈ መልእኽቲ ንኼንብብ ሃቦ። እቲ ሰብኣይ ነቲ መልእኽቲ ምስ ኣንበቦ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኺመሃር ድሌት ከም ዘለዎ ገለጸ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር እውን ፍቓደኛ ዀነ።

ራውል ነታ ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት ዘርእስታ ጽሕፍቲ፡ ቋንቋታት ሂንዲ፡ ሚክሰ፡ ሩስያኛ፡ ቻይንኛ፡ ኣርመንኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ኮሪያኛ፡ ዛፖተክኛ፡ ጀርመንኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ ፋርሲ ንዚዛረቡ ሰባት ንምምስካር ተጠቒሙላ። “ኣብ ኣገልግሎተይ፡ እዛ ንዋት እዚኣ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲት ምዃና ርአየ እየ። ቋንቋ እቶም ሰባት ዘይዛረብ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ልቦም ንምትንካፍ ሓጊዛትኒ እያ” በለ።

ብዙሓት ሰባት ናብ ወጻኢ ሃገራት ይገሹን ይግዕዙን ስለ ዘለዉ፡ ካልእ ቋንቋ ምስ ዚዛረቡ ሰባት ንምርኻብ ዝያዳ ኣጋጣሚታት ኣሎና። በታ ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት ዘርእስታ ጽሕፍቲ ጌርና፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከነካፍሎም ንኽእል ኢና። እሞኸ ነዛ ጽሕፍቲ ወትሩ ምሳኻ ትማልኣ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ራውል ነታ ንልቢ ሰባት ንምትንካፍ ዝሓገዘቶ ጽሕፍቲ ኺጥቀመላ ኸሎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ