ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/10 ገጽ 10
  • 6 ኪጠቕመና ይኽእልዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 6 ኪጠቕመና ይኽእልዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ምጽላይ ገለ ጥቕሚ ኣለዎዶ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • የሆዋ ንጸሎትና ብኸመይ ይምልሶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • መእተዊ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/10 ገጽ 10

ጸሎት

6 ኪጠቕመና ይኽእልዶ፧

ጸሎት ይጠቕመና ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዜቕርብዎ ጸሎት ብሓቂ ኸም ዚጠቕሞም እዩ ዚገልጽ። (ሉቃስ 22:40፣ ያእቆብ 5:13) ብመንፈሳውን ብስምዒታውን ብኣካላውን መዳይ እውን ኪጠቕመና ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧

ውሉድካ ውህበት ተቐቢሉ እስከ ንበል። ብልቡ ኼመስግን ዲኻ እትምህሮ፡ ወይስ ምስጋናኡ ኺገልጽ፧ ንስምዒታትና ብቓላት ክንገልጾ ኸለና፡ ብዝያዳ ኸም ዚጐልሕን ሓይሊ ኸም ዚህልዎን ኢና እንገብር። ብጸሎት ንኣምላኽ ምዝራብ ከምኡ ዓይነት ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእልዶ፧ እሂናይ ደኣ! ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ንምምስጋን ዚቐርብ ጸሎት። ንኣቦና የሆዋ ስለቲ ዝገበረልና ጽቡቕ ነገር ከነመስግኖ ኸለና፡ ኣብቲ ዝረኸብናዮ በረኸት ኢና እነተኵር። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ዝያዳ ሓጐስን ባህታን ንረክብ፡ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ድማ ይህልወና።—ፊልጲ 4:6።

ኣብነት፦ የሱስ፡ ኣቦኡ ንጸሎቱ ሰሚዑ ስለ ዝመለሰሉ ኣመስገነ።—ዮሃንስ 11:41።

ይቕረታ ንምርካብ ዚቐርብ ጸሎት። ይቕረ ምእንቲ ኺብለልና ንኣምላኽ ምሕታት፡ ሕልናና ንኸይድንዝዝ፡ ንስሓና ልባዊ ንኪኸውን፡ ከምኡውን ሓጢኣት ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ምዃኑ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ብዘይካዚ፡ ካብ ናይ ገበን ስምዒት ንገላገል።

ኣብነት፦ ዳዊት ንስሓኡን ሓዘኑን ንምግላጽ ጸለየ።—መዝሙር 51።

መምርሕን ጥበብን ንምርካብ ዚቐርብ ጸሎት። መምርሒ ወይ ከኣ ጽቡቕ ውሳነ ንኽንገብር ዜድልየና ጥበብ ምእንቲ ኽንረክብ ንየሆዋ ኽንሓቶ ኸለና፡ ብሓቂ ትሑታት ንኽንከውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ኼዘኻኽረናን በቲ ሰማያዊ ኣቦና ንኽንእመን ኪሕግዘናን ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 3:5, 6።

ኣብነት፦ ሰሎሞን ንእስራኤላውያን ኬመሓድር ዜድልዮ መምርሕን ጥበብን ኪወሃቦ ብትሕትና ለመነ።—1 ነገስት 3:5-12።

ብግዜ ጸበባ ዚቐርብ ጸሎት። ስምዒትና ኺድቈስ ከሎ ልብና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንተ ኣፍሲስና፡ ምጽንናዕ ክንረክብን ኣብ ገዛእ ርእስና ዘይኰነስ፡ ኣብ የሆዋ ኽንውከልን ኢና።—መዝሙር 62:8።

ኣብነት፦ ንጉስ ኣሳ ሓያል ጸላኢ ምስ ኣጋጠሞ ጸለየ።—2 ዜና መዋእል 14:11።

ንድሕንነት ካልኦት ዚቐርብ ጸሎት። ከምዚ ዝበለ ጸሎት፡ ኣብ ጥቕሚ ርእስና ጥራይ ንኸይነተኵር፡ ርሕራሐን ሓልዮትን ድማ ንኸነርኢ ይሕግዘና።

ኣብነት፦ የሱስ ንሰዓብቱ ጸለየሎም።—ዮሃንስ 17:9-17።

ንምውዳስ ዚቐርብ ጸሎት። ንየሆዋ ስለቲ ዜደንቕ ግብርታቱን ባህርያቱን ክንውድሶ ኸለና፡ ንዕኡ ዘሎና ኣኽብሮትን ሞሳን ይዓምቝ። ከምዚ ዝበለ ጸሎት፡ ናብ ኣምላኽናን ኣቦናን ብዝያዳ ንኽንቀርብ ይሕግዘና።

ኣብነት፦ ዳዊት ንኣምላኽ ስለቲ ዝፈጠሮ ነገራት ወደሶ።—መዝሙር 8።

ካልእ ካብ ጸሎት እንረኽቦ በረኸት፡ “እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” እዩ። (ፊልጲ 4:7) ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም፡ ሰላም ብቐሊሉ ኣይርከብን እዩ። ጸሎት፡ ኣካላዊ ጥቕሚ እውን ኣለዎ። (ምሳሌ 14:30) ኰይኑ ግን፡ ብናይ ገዛእ ርእስና ጻዕሪ ጥራይ ድዩ ዚመጽእ፡ ወይስ ሓገዝ ካልእ ኣካል እውን የድልየና እዩ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ጸሎት፡ ኣካላዊ፡ ስምዒታዊ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ መንፈሳዊ ጥቕሚ ኣለዎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ