ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/7 ገጽ 9
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ መካበብያ ዳግም ሃነጾ
    ብትብዓት ምስ ኣምላኽ ተመላለስ
  • መናድቕ የሩሳሌም
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ካብ መጽሓፍ ነህምያ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/7 ገጽ 9

ትፈልጥዶ፧

ጻጸ ኣብ ሓጋይ ቀለቡ የዳሉ፡ ኣብ ቀውዒ ድማ ምግቡ ይእክብ ድዩ፧

▪ ምሳሌ 6:6-8፡ “ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ፡ መገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን። ወይ ሓለቓ ወይ ኣዛዚ ወይ ገዛኢ የብሉን፡ ግናኸ ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉ፡ ምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ” ትብል።

ብሓቂ ድማ፡ እተፈላለዩ ዘርኢ ጻጸ ምግቢ ይኽዝኑ እዮም። እቲ ሰለሞን ዝጠቐሶ፡ ሎሚ ኸኣ ኣብ እስራኤል ኣዝዩ ፍሉጥ ዝዀነ ዘርኢ ጻጸ፡ ማእራሪ ጻጸ (ሜሶር ሰሚሩፉስ) ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዓይነት ጻጸ ኸይኰነ ኣይተርፍን እዩ።

ብመሰረት ሓደ መወከሲ፡ “ማእረርቲ ጻጸ ኣብ እዋን ምሹእ ኵነታት ኣየር፡ ሰፈሮም ሓዲጎም ምግቢ ኺምእርሩ ይኸዱ፡ . . . ኣብ ምዉቕ ኣዋርሕ [ድማ] ኣዝርእቲ ይእክቡ እዮም።” ነቲ ኣዝርእቲ ኻብ ኣትክልቲ ወይ ካብ መሬት እዮም ዚእክብዎ። ኣብ ከባቢ እቲ እኽሊ ዚርከበሉ ግራውቲ፡ መኽዘን እኽሊ፡ ወይ ዓውዲ ኣብ ዘሎ መሬት ከኣ እዮም ሰፈሮም ዚሰርሑ።

ምግቦም ዚኽዝኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሰፈሮም ኣብ ዚርከብ መራኸቢ መገድታት ዘለዎ ኽፍልታት እዮም። እቲ መኽዘናት ሰንጣቒቱ 12 ሰንቲ ሜተር፡ ቁመቱ ኸኣ 1 ሰንቲ ሜተር እዩ። እኹል ምግቢ ዝኸዘኑ ማእረርቲ ጻጸ፡ “ካብ ሰፈሮም ወጻኢ ምግቢ ወይ ማይ ከይረኸቡ ንልዕሊ 4 ወርሒ” ኺነብሩ ኸም ዚኽእሉ ይንገረሎም እዩ።

ኣሰላፊ ንጉስ ምዃን እንታይ የጠቓልል ነይሩ፧

▪ ነህምያ፡ ንኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ ኣሰላፊኡ እዩ ነይሩ። (ነህምያ 1:11) ኣሰለፍቲ እቶም ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝነበሩ ጥንታውያን ነገስታት፡ ተራ ኣገልጋልቲ ኣይነበሩን። የግዳስ፡ ዝለዓለ ደረጃ ዝነበሮም ሰበ ስልጣን እዮም ነይሮም። ብዛዕባ ኣሰለፍቲ ዚገልጽ ሓያሎ ጥንታዊ ክላሲካዊ ስነ-ጽሑፍን ስእልታትን፡ ነህምያ ኣብ ቤተ መንግስቲ ፋርስ እንታይ ተራ ኸም ዝነበሮ ንኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ።

ሓደ ኣሰላፊ ንንጉስ ወይኒ ቕድሚ ምሃቡ፡ እተመረዘ ኸይከውን ይጥዕሞ ነበረ። ስለዚ ኸኣ እቲ ንጉስ ምሉእ ብምሉእ ይተኣማመነሉ እዩ ነይሩ። ጸሓፍ ታሪኽ ኤድዊን ኤም. ያሙቺ፡ “ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣኪመኒድ [ፋርስ] ብዙሕ ምትንዃላት ስለ ዝነበረ፡ እሙናት ኣገልገልቲ ንጉስ ተደለይቲ እዮም ነይሮም” በለ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ኣሰላፊ ንንጉስ ሓያል ጽልዋ ኺገብረሉ ዚኽእል ፍቱው በዓል ስልጣን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስቲ ንጉስ መዓልታዊ ርክብ ስለ ዝነበሮ፡ ሓደ ሰብ ናብ ንጉስ ኪቐርብ ዚኽእል ንሱ እንተ ፈቒዱ ጥራይ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል።

እዚ፡ ነህምያ ናብ የሩሳሌም ተመሊሱ ንመናድቓ ኺሃንጽ ሕቶ ምስ ኣቕረበ ስለምንታይ ከም እተፈቕደሉ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። እቲ ንጉስ ንነህምያ የኽብሮ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ዚ ኣንከር ባይብል ዲክሽነሪ፡ “ምላሽ እቲ ንጉስ፡ ‘መዓስ ኢኻ ኽትምለስ፧’ ዚብል ጥራይ እዩ ነይሩ” በለ።—ነህምያ 2:1-6።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ፐርሰፖሊስ ካብ ዝነበረ ቤተ መንግስቲ ፋርስ እተረኽበ ስእሊ

[ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ኣሓሽዌሮስ እቲ ወራስ ዓራት

ኣሰላፊ

ዳርዮስ እቲ ዓብዪ

[ምንጪ ስእሊ]

© The Bridgeman Art Library International

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ