ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/5 ገጽ 3
  • ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ባህርያዊ ሓደጋታት ዚበዝሕ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2013
  • ኣምላኽ ይቐጽዓና ድዩ ዘሎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ዓለም ናበይ ገጻ እያ እተምርሕ ዘላ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/5 ገጽ 3

ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ፧

11 መስከረም 2001፦ ሰዓት 8:46 ቅ.ቀ.፡ ሓንቲ ነፋሪት ገያሾ ምስቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዚርከብ ሰሜናዊ ህንጻ ማእከል ንግዲ ዓለም ተላግዐት፣ እዚ ድማ ካብቲ ተወጢኑ ዝነበረ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕትታት እቲ ናይ መጀመርታ እዩ። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ 102 ደቒቕ፡ ብግምት 3,000 ሰባት ሃለቑ።

26 ታሕሳስ 2004

ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘጋጠመ፡ 9.0 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ክሳዕ 5,000 ኪሎ ሜተር ርሒቐን ንዚርከባ 11 ሃገራት፡ እንተላይ ክሳዕ ኣፍሪቃ፡ ጕድኣት ዘውረደ ሓያል ማዕበላት ፈጠረ። ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ፡ 150,000 ሰባት ሞቱ፡ ወይ ኣብ ዝኣተውዎ ኸይተፈልጠ ጠፍኡ፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ከኣ ብዘይ ኣባይቲ ተረፉ።

1 ነሓሰ 2009፦ ሓደ ወዲ 42 ዓመት ሰብኣይ፡ ምስ ወዲ 5 ዓመት ወዱ ብኣዝያ ፈጣን ጃልባ ኺሕምበብ ከሎ፡ ብዕንጨይቲ ምስ እተሰርሐ መዐሸጊ ተጋጨወ። እቲ ኣቦ ሽዑ ንሽዑ ሞተ። ወዱ ኸኣ ንጽብሒቱ ሞተ። ሓንቲ ብሓዘን እተደቝሰት ዘመዶም፡ “ብገለ ተኣምር ኪተርፍ ተስፋ ጌርና ኔርና” በለት።

ብዛዕባ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕትታት ወይ ባህርያዊ ሓደጋታት ከተንብብ ከለኻ፡ ወይ ከኣ ሓዘን ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ‘ኣምላኽ ነዚ ነገራት እዚ ይርእዮዶ ኣሎ፧ ሓዲጉና ደዀን ይኸውን፧’ ኢልካ ትሓስብዶ፧ ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጸናንዕ መልሲ ይህበና እዩ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© Dieter Telemans/Panos Pictures

PRAKASH SINGH/AFP/Getty Images

© Dieter Telemans/Panos Pictures

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ