ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 15/2 ገጽ 29
  • “መሰል ሕጻናት ንመንፈሳዊ ዕቤት”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “መሰል ሕጻናት ንመንፈሳዊ ዕቤት”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራቤት ምህናጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንኽርድኣካ ሓገዝ የድልየካ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ቈልዑ ኻብ ወለዲ ዚደልይዎ ነገር
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ንውሉድኩም ካብ ሕጻንነት ጀሚርኩም ኣለማምዱ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 15/2 ገጽ 29

“መሰል ሕጻናት ንመንፈሳዊ ዕቤት”

ብ9 ታሕሳስ 2008፡ ኣካዳሚ ሽወደን ንመሰል ሕጻናት፡ “መሰል ሕጻናት ንመንፈሳዊ ዕቤት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ፍረ ነገር ፍሉይ ሰሚናር ኣዳልዩ ነይሩ። ኣብኡ ኸኣ፡ ንቤተ-ክርስትያን ሽወደንን ንኻልኦት ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያንን ንእስላምን ንሰብኣውነታዊ ምንቅስቓስን ዝወከሉ ተዛረብቲ፡ ሓያሎ ርእይቶ ኣቕሪቦም ነይሮም።

ሓደ ኻብቶም ተዛረብቲ ቐሺ እዩ ነይሩ፣ ከምዚ ድማ በለ፦ “ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ንመንፈሳውነት ሕጻናት ዘለዎ ዓብዪ ኣገዳስነት ብልክዕን ብእኹልን መገዲ ኺገልጾ ዚኽእል የልቦን።” ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ሓሳባት፡ ነቲ ንሕጻናት ብመንፈስ ዜድልዮም ዜማልኣሎም ብኸመይ እዩ፧

እቲ ቐሺ፡ “እቲ ጽሑፋትን ዛንታታትን ንሕጻናት ብብሕቶም ከም ዚሓስቡሉን ከም ዜስተንትኑሉን ይገብሮም” በለ። “ንኣተሓሳስባ [ሕጻን] ኣብ ከም ጥልመት፡ ይቕረታ፡ ስርየት፡ ጽልኢ፡ ውርደት፡ ካሕሳ፡ ሕውነታውን ንጹህን ፍቕሪ ዝኣመሰለ ንሰብኣዊ ህይወት ዚምልከት ኣገደስቲ ጕዳያት ኣርኣያ ኻብ ዚኸውን ነገራት፡ ዛንታ ኣዳምን ሄዋንን፡ ዛንታ ቃየልን ኣቤልን፡ ዛንታ ዳዊትን ጐልያድን፡ ዛንታ ውልደት የሱስ፡ ዛንታ ዘኬዎስ እቲ ተጋዊ፡ ምሳልያዊ ዛንታ እቲ ሓሻሺ ወዲ፡ ዛንታ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ” ዘርዘረ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እዚ ጽሑፋት እዚ፡ ኣብ ህይወት ግብራዊ ኪኸውን ዚኽእል ኣብነት ይህብ” በለ።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምትብባዕ፡ ጽቡቕ ነገር ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ሕጻናት ብዛዕባ እቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘንበብዎ፡ ‘ብብሕቶም ሓሲቦምን ኣስተንቲኖምን’ ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ኺበጽሑ ይኽእሉዶ፧

ዓበይቲ እውን እንተ ዀኑ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ዚገልጸሎም የድልዮም እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ ‘ብብሕቱ ሓሲቡን ኣስተንቲኑን’ ናይ ሓቂ መንፈሳውነት ኪረክብ ዘይከኣለ ሰብኣይ ይነግረና። እቲ ሰብኣይ እቲ፡ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን እዩ ነይሩ። ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ እኳ እንተ ነበረ፡ ትርጕሙ ግን ኣይተረድኦን። ንመልእኽቲ እቲ ነብዪ ኺርድኦ ስለ ዝደለየ፡ ነቲ ፊልጶስ ዚበሃል ወደ መዝሙር ዝሃቦ መግለጺ ተሓጒሱ ተቐበለ። (ግብ. 8:26-40) ነቲ ኢትዮጵያዊ ጥራይ ኣይኰነን ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ዜድልዮ። ንዅላትና፡ ምናዳ ኸኣ ንሕጻናት፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚገልጸልና ሰብ የድልየና እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ” ኢሉ የጠንቅቐና እዩ። (ምሳ. 22:15) ሕጻናት መምርሒ የድልዮም እዩ፣ ወለዲ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚቐርብ ትምህርትን እተመርኰሰ ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ትምህርቲ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ኣለዎም። ሕጻናት ከምዚ ዓይነት ስልጠና ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት” ምእንቲ ኪዀኑ፡ ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም ንመንፈሳዊ ዕቤቶም ዚጠቅም ድልዱል መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት ንኺስርቱ ሓገዝ የድልዮም እዩ።—እብ. 5:14።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ