ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 15/11 ገጽ 29
  • ለጋስ ጓል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ለጋስ ጓል
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓንቲ ምርኽቲ ጓል ብትብዓት ተዛረበት
    ብትብዓት ምስ ኣምላኽ ተመላለስ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 15/11 ገጽ 29

ለጋስ ጓል

ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ሓንቲ ኣብ ብራዚል እትነብር ጓል ትሽዓተ ዓመት ቈልዓ፡ ብተበግሶኣ ነቲ ዘዋህለለቶ ገንዘብ ኣብ ክልተ ኸፋፈለቶ፣ እቲ ሓደ 18 ዶላር ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ 25 ዶላር ነበረ። ነቲ 18 ዶላር ንወጻኢታት እታ ጉባኤ ኣብ ምሽፋን ምእንቲ ኺውዕል ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ ሳጹን ውጽኢት ኣእተወቶ። ድሕሪኡ፡ ነቲ 25 ዶላር ምስ ሓጻር ደብዳበ ገይራ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ለኣኸቶ። እታ ዝጸሓፈታ ደብዳበ ኸምዚ ትብል፦ “ነዚ ወፈያ እዚ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዮ ንኺውዕል እየ ወፍየዮ። ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ነቲ ብስራት ዚሰብኩ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ክሕግዞም እደሊ እየ። ንየሆዋ ኻብ ዘለኒ ዓሚቝ ፍቕሪ ተበጊሰ እየ ዝህብ ዘለኹ።”

ወለዲ እዛ ንእሽቶ ጓል ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብውልቃ ኽትካፈል ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ምሂሮምዋ እዮም። ብዘይካዚ፡ ‘ብጥሪታ ንየሆዋ ኸተኽብሮ’ ኸም ዘለዋ ኣስሪጾምላ እዮም። (ምሳ. 3:9) እምበኣር፡ ልክዕ ከምዛ ንእሽቶ ጓል፡ ኵልና ኣብ ጉባኤናን ብዓለምለኸ ደረጃን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ብቕንኣት ንካፈል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ