ጽውጽዋይ 3፦ ኵሎም ጻድቃን ናብ ሰማይ ይኸዱ
መበቈል እዚ ጽውጽዋይ እንታይ እዩ፧
ሃዋርያት የሱስ ምስ ሞቱ፡ ኣብ መጀመርታ ኻልኣይ ዘመን ድ.ክ. ኣበው ቤተ-ክርስትያን ምርኡያት ኰኑ። ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ (2003)፡ ኣብ 6ይ ጥራዝ፡ ኣብ ገጽ 687 ንትምህርቶም ኪገልጾ ኸሎ፡ “ካብ ስጋ እተፈልየት ነፍሲ ድሕሪ ሞት ኣድላዪ ዚበሃል መስርሕ ምንጻህ ምስ ሓለፈት፡ ሰማያዊ ፍስሃ ትረክብ ዚብል ሓፈሻዊ ዝንባለ ነይሩ” በለ።
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
“ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።”—ማቴዎስ 5:5።
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ሰማይ “ስፍራ ኸዳልወልኩም” እኳ እንተ በሎም፡ ኵሎም ጻድቃን ናብኡ ኸም ዚኸዱ ግን ኣይሓበረን። (ዮሃንስ 3:13፣ 14:2, 3) ፍቓድ ኣምላኽ “ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሉ እውን ጸልዩ እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) ከም ሓቂ፡ ጻድቕ ሰብ ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ ናይ ምርካብ ዕድል ኣለዎ። እተወሰኑ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኪገዝኡ ኸለዉ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ግን ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።—ራእይ 5:10።
ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ጥንታዊት ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ምድሪ ብዛዕባ ዘለዋ ግደ ዝነበራ ኣረኣእያ ቐየረቶ። እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ “እታ እተወደበት ቤተ-ክርስትያን ነታ ትጽቢት ዚግበረላ መንግስቲ ኣምላኽ እናተክኣታ ኸደት” በለ። እታ ቤተ-ክርስትያን ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ “ኻብ ዓለም ኣይኰንኩምን” ብምባል ዝሃቦ ንጹር መግለጺ ዕሽሽ ኢላ ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ብምእታው፡ ስልጣና ኸተደልድል ጀመረት። (ዮሃንስ 15:19፣ 17:14-16፣ 18:36) ኣብ ትሕቲ ጽልዋ እቲ ናይ ሮማ ሃጸይ ዝነበረ ቆስጣንጢኖስ ኰይና፡ ንገሊኡ እምነታት ቀየረቶ። ሓደ ኻብቲ ዝቐየረቶ እምነታት ድማ ንእንታይነት ኣምላኽ ዚምልከት እዩ ነይሩ።
ነዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእዮ፦ መዝሙር 37:10, 11, 29፣ ዮሃንስ 17:3፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:11, 12
ሓቂ፦
መብዛሕትኦም ጻድቃን ኣብ ሰማይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም
[ምንጪ ስእሊ]
Art Resource, NY