ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 15/8 ገጽ 16-17
  • ሕቡእ መዝገብ ምርካብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቡእ መዝገብ ምርካብ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣብኡ ተሰዊሩ” ዘሎ መዝገብ ምርካብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኻልኦት እነካፍሎ ኽቡር መዝገብ ኣሎና
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • እቲ ኣብ ትሕቲ ኮሙኒስታዊ እገዳ ዘሕለፍክዎ ልዕሊ 40 ዓመታት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • “ታሪኽ ኣይሕሱን እዩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 15/8 ገጽ 16-17

ሕቡእ መዝገብ ምርካብ

ኣብ ሓደ ዘይሓሰብካዮ ቦታ ሕቡእ መዝገብ ረኺብካዶ ትፈልጥ፧ ብ27 መጋቢት 2005 ኢቮ ሎድ ዝስሙ ኣብ ኤስቶንያ ዚነብር ናይ የሆዋ ምስክር ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ኣልማ ቫርድያ ንእትበሃል ብዕድመ ዝደፍአት ናይ የሆዋ ምስክር ንሓንቲ ዝኣረገት ገዛ ኸተፍርስ ይሕግዛ ነበረ። ብሓደ ሸነኽ እቲ መንደቕ ኬፍርሱ ኸለዉ፡ ብጣውላ እተሸፈነ ነገር ረኣዩ። ነቲ ጣውላ ምስ ኣልገስዎ፡ ወርዱ 10 ሰንቲ ሜተር፡ ንውሓቱ 1.2 ሜተር፡ ዕምቈቱ 10 ሰንቲ ሜተር ዚኸውን ብዕንጨይቲ እተሸፈነ ሃጓፍ ረኸቡ። (1) እቲ ሃጓፍ ቦታ፡ ሕቡእ መዝገብ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። እንታይ ዓይነት ሕቡእ መዝገብ እዩ ሒዙ ነይሩ፧ መንከ ኣብኡ ሓብኦ፧

ኣብ ውሽጢ እቲ ምስጢራዊ ቦታ ብወረቓቕቲ እተሸፈነ ብዙሕ ጥቕላላት ተረኽበ። (2) እቲ ጥቕላላት፡ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓዘ ኪኸውን ከሎ፡ መብዛሕትኡ ድማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ እዩ ነይሩ፣ ገለ ኻብቲ ጽሑፋት ብ1947 እተሓትመ እዩ። (3) እቲ ጽሑፋት ብቛንቋ ኤስቶንያ ብጥንቃቐ እተቐድሐ ናይ ኢድ ጽሑፋት እዩ ነይሩ። ገሊኡ ጥቕላላት ነቲ ቪለም ቫርድያ ዚስሙ ሰብኣይ ኣልማ ብዛዕባ እተገብረሉ መርመራ ዚገልጽ መዝገብ ብምንባሩ፡ ነቲ ጽሑፋት ኣብቲ ቦታ መን ከም ዝሓብኦ ኣፋፍኖት ዚህብ ነበረ። ገለ ኻብቲ እተረኽበ መዝገብ ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዛዕባ ዘሕለፎ ዓመታት ዚገልጽ ሓበሬታ ይርከቦ። ስለምንታይ እዩ ግን ተኣሲሩ ነይሩ፧

ቪለም ቫርድያ ኣብታ ኽፋል ሕብረት ሶቭየት ዝነበረት ኤስቶንያ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ታርቱ፡ ጸኒሑ ኸኣ ኣብ ጉባኤ ኦቴፓ ብሓላፍነት የገልግል ነበረ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ ገለ እዋናት ኣቐዲሙ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ተማሂሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ብ24 ታሕሳስ 1948 ብምኽንያት ሃይማኖታዊ ንጥፈታቱ ስርዓት ኮምዩኒስት ኣሰሮ። መርመራ ተገብረሉ፡ እቶም ኣባላት ሚስጢራዊ ፖሊስ ድማ ናይ ኣመንቲ ብጾቱ ስማት ምእንቲ ኺህቦም ኣጋፍዕዎ። ኣብ ቤት ፍርዲ ንርእሱ ናይ ምጥባቕ መሰል ተኸልአ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሩስያ ኸኣ ንዓሰርተ ዓመት ኪእሰር ተፈርደ።

ቪለም ቫርድያ ብ6 መጋቢት 1990 ክሳዕ ዚመውት ንየሆዋ እሙን ነበረ። እቲ ጽሑፋት ኣብቲ ቦታ ተሓቢኡ ምንባሩ ሰበይቱ ኣይትፈልጥን እያ ነይራ። ብዛዕባ እቲ እተሓብአ ጽሑፋት ዘይነገራ፡ ኣብ ግዜ መርመራ ኻብ ፈተና ኼዕቍባ ስለ ዝደለየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ጽሑፋት ሓቢእዎ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ከይ.ጂ.ቢ. (ኮሚተ ጸጥታ መንግስቲ ሶቭየት) ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ምእንቲ ኺረኽቡ ንኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሃንደበት ይፍትሹ ነበሩ። ሓው ቫርድያ ነቲ ጽሑፋት ዝሓብኦ፡ ምናልባት ከይ.ጂ.ቢ. ንዅሉ ጽሑፋት እንተ ወሲዶምዎ፡ ንኣመንቲ ብጾቱ ዚኸውን መንፈሳዊ ምግቢ ምእንቲ ኸይሰኣን ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብ1990 እውን ካልእ ሕቡእ ጽሑፋት ተረኺቡ ነይሩ። እቲ ሓደ ኣብ ታርቱ፡ ደቡባዊ ኤስቶንያ እዩ ተረኺቡ። እዚ ጽሑፋት እዚ እውን እንተ ዀነ፡ ቪለም ቫርድያ ዝሓብኦ እዩ ነይሩ።

ነዚ ጽሑፋት እዚ መዝገብ ዝበልናዮ ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ፡ እዚ ብልዑል ጥንቃቐ ብኢድ ተቐዲሑ እተሓብአ ጽሑፋት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ መንፈሳዊ ምግቢ ዝነበሮም ሞሳ ዜንጸባርቕ እዩ። (ማቴ. 24:45) ነቲ ሎሚ እትረኽቦ ዘለኻ መንፈሳዊ መሰናድዎታት ተማስወሉ ዲኻ፧ ሓደ ኻብዚ መሰናድዎታት እዚ፡ እቲ ብቛንቋ ኤስቶንያን ብልዕሊ 170 ካልእ ቋንቋታትን ዚወጽእ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ