ትፈልጥዶ፧
ሰባት ኣብ መወዳእታ ጸሎት “ኣሜን” ዚብሉ ስለምንታይ እዮም፧
እታ “ኣሜን” እትብል ናይ ግሪኽ ኰነ ናይ ትግርኛ ቓል፡ ካብ እብራይስጢ እተወስደት እያ። እዛ መብዛሕትኡ እዋን ደድሕሪ ጸሎት፡ ማሕላ፡ በረኸት፡ ወይ መርገም እትዝረብ ቃል፡ “ይኹን” ወይ “ብርግጽ” ማለት እያ። ነዛ ቓል እዚኣ ምዝራብ፡ ምስቲ እተባህለ ኸም እተሰማማዕካ ዜርኢ እዩ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ “እዛ ቓል እዚኣ፡ ርግጽነት፡ ሓቅነት፡ ተኣማነንት፡ ከምኡውን ምጥርጣር ዘይብሉ ነገር እያ እተመልክት።” ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰብ ነቲ እተገብረ ማሕላ ወይ ኪዳን “ኣሜን” እንተ ኢሉ፡ ብሕጋዊ መገዲ ኸም እተቐበሎ ዜርኢ እዩ ነይሩ፣ ብሰንኪ እዚ ንዚመጾ ሳዕቤን ድማ ይቕበሎ ነበረ።—ዘዳግም 27:15-26።
የሱስ ኪሰብኽን ኪምህርን ከሎ፡ ኣብ ገለ ኻብቲ ዘረባኡ ነታ “ኣሜን” እትብል ቃል ተጠቒሙ እዩ። ከምኡ ብምባል ከኣ፡ እቲ ዚብሎ ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ሓቂ ምዃኑ ኣጕልሐ። ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ እታ ኣሜን እትብል ናይ ግሪኽ ቃል “ብሓቂ” ተባሂላ ተተርጕማ ኣላ። (ማቴዎስ 5:18፣ 6:2, 5) ኣብ ብምሉኡ ወንጌል ዮሃንስ ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ እታ የሱስ እተዛረባ ቓል ክልተ ግዜ ተደጋጊማ ኽትጥቀስ ከላ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ” ዚብል ትርጕም ተዋሂብዋ ኣሎ። (ዮሃንስ 1:51) እቲ የሱስ ነታ “ኣሜን” እትብል ቃል እተጠቕመሉ መገዲ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ኣዝዩ ፍሉይ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ፡ እታ “ኣሜን” እትብል መዓርግ ኣብ የሱስ ክትውዕል ከላ፡ “እሙን ሓቀኛ ምስክር” ምዃኑ እያ እትሕብር።—ራእይ 3:14።
ኡሪምን ቱሚምን እንታይ እዩ ነይሩ፧
ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ነቶም ህዝቢ ወይ ንመራሕቶም ብዚምልከት ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ፡ ኡሪምን ቱሚምን ዚጥቀሙ ዝነበሩ እዩ ዚመስል። እቲ ኡሪምን ቱሚምን ነቲ ሊቀ ኻህናት እዩ ብሓላፍነት ዚወሃቦ ነይሩ፣ ኣብ ናይ “ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ” ኸኣ ይቕመጥ ነበረ። (ዘጸኣት 28:15, 16, 30) ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ዀነ ብዛዕባ ልክዕ ኣጠቓቕማኡ ዘይገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ እተፈላለየ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ኣምላኽ፡ “እወ” ወይ “ኣይፋል” ኢሉ ኸም ዝመለሰ ወይ ከኣ ምንም መልሲ ኸም ዘይሃበ ንምፍላጥ ዚጥቀምሉ ዝነበሩ ዕጫ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይገልጽ እዩ።
ንኣብነት፡ ዳዊት ንኣብያታር ነቲ ኡሪምን ቱሚምን ሒዙ ዝነበረ ኤፎድ ሊቀ ኻህን ኬምጽኦ ምስ ኣዘዞ፡ ካብ ኣምላኽ መልሲ ንምርካብ ተጠቕመሉ። ዳዊት ንየሆዋ፡ ‘ሳኦልዶ እግሪ እግረይ ኪስዕብ እዩ፧ ሰብ ቅዒላኸ ኣሕሊፎምዶ ኣብ ኢዱ ኺህቡኒ እዮም፧’ ኢሉ ሓተቶ። ነዚ ኽልተ ሕቶታት ‘እወ’ ዚብል ምላሽ ተዋህቦ፣ ኣብዚ ተመርኲሱ ኸኣ ቅኑዕ ውሳነ ኺገብር ከኣለ።—1 ሳሙኤል 23:6-12።
ኣቐዲሙ ንጉስ ሳኦል፡ ካብቶም ህዝቢ ወይ ካብኡን ካብ ዮናታንን መኖም በደል ከም ዝፈጸመ ንምውሳን ብድሕሪኡ ኸኣ ካብኡን ካብ ዮናታንን መኖም ከም ዝበደለ ንምፍላጥ ኡሪምን ቱሚምን ተጠቒሙ ነበረ። (1 ሳሙኤል 14:40-42) ጸኒሑ መለኮታዊ ስምረት ምስ ሰኣነ ግን፡ ኣምላኽ “ብሕልምታት ኰነ፡ ብኡሪም ኰነ” መምርሒ ኣይሃቦን።—1 ሳሙኤል 28:6።
እታ ቤት መቕደስ የሆዋ ብ607 ቅ.ክ. ምስ ዓነወት፡ ኡሪምን ቱሚምን ምጥቃም ከም ዝተረፈ ናይ ኣይሁድ ኣፈ-ታሪኽ ይገልጽ።
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
“ኣሜን፡” ራእይ 3:14፡ ኮዴክስ እስክንድርያ፡ 5ይ ዘመን ድ.ክ.