ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 15/5 ገጽ 18
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንግስቲ ኣምላኽ ተወሊዳ!
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • ሰይጣን ኪውሕጠካ ስለ ዚደሊ፡ ንቑሕ ኩን!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንጸላኢኻ ፍለጦ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 15/5 ገጽ 18

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሰይጣን መዓስ እዩ ኻብ ሰማይ ተደርብዩ፧—ራእ. 12:1-9።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ፡ ሰይጣን መዓስ ካብ ሰማይ ከም እተደርበየ ብልክዕ ዘይትሕብር እኳ እንተ ዀነት፡ እዚ እተፈጸመሉ ግዜ ንኽንግምት ኪሕግዘና ዚኽእል ተኸታታሊ ፍጻመታት ግን ትጠቅስ እያ። ካብቲ ፍጻመታት ብቐዳምነት ተጠቒሱ ዚርከብ፡ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ እተወለደትሉ ፍጻመ እዩ። ደድሕሪ እዚ ኸኣ፡ “ኣብ ሰማይ . . . ውግእ ኰነ፣” ኣብቲ ውግእ ድማ ሰይጣን ተሳዕረ፡ ካብ ሰማይ እውን ተደርበየ።

ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ዘመናት ኣህዛብ” ብ1914 ከም እተፈጸመ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸም ዝቘመት ኣነጺሩ ይሕብር እዩ።a (ሉቃ. 21:24) እቲ ሰይጣን እተደርበየሉ ውግእ፡ ድሕርዚ ኽንደይ ዚኣክል ጸኒሑ እዩ ተፈጺሙ፧

ራእይ 12:4፡ “እቲ ገበል [ሰይጣን] ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ” ትብል። እዚ ድማ ሰይጣን ነታ ሽዑ እተወልደት መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ተኻኢሉ ብኡንብኡ ኼጥፍኣ ኸም ዝደለየ ዚሕብር እዩ። የሆዋ ጣልቃ ብምእታው ንሰይጣን ነቲ እኩይ ውዲቱ ንኸይፍጽም እኳ እንተ ዓገቶ፡ ሰይጣን ግን ነታ ሽዑ ዝቘመት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺጐድኣ ኸይትሓለለ ኺጽዕር ቈሪጹ ነበረ። ስለዚ፡ እቲ “ገበልን መላእኽቱን” ነታ መንግስቲ ጕድኣት ምእንቲ ኸየምጽኡላ፡ “ሚካኤልን መላእኽቱን” ውዓል ሕደር ከይበሉ ንኺድርብይዎም ስጕምቲ ወሲዶም ኪዀኑ ኣለዎም። እዚ ድማ ሰይጣን እተሳዕረን ካብ ሰማይ እተደርበየን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ምስ ተወልደት ነዊሕ ከይጸንሐ ምዃኑ ዚሕብር እዩ።

ካልእ ኪሕሰበሉ ዘለዎ ረቛሒ ኸኣ፡ ትንሳኤ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እዩ፣ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዚሕብሮ፡ እዚ ትንሳኤ እዚ ደድሕሪ ምቛም መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ጀሚሩ።b (ራእ. 20:6) ኣብቲ የሱስ ምስቲ ገበልን ምስ መላእኽቱን ዝገበሮ ውግእ፡ ዋላ ሓደ ኻብቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ምስኡ ኸም ዝነበረ ስለ ዘይተሓበረ፡ እቲ ኣብ ሰማይ እተገብረ ውግእ ኰነ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ እተደርበይሉ ፍጻመ፡ ቅድሚ እቲ ትንሳኤ ኣሕዋት ክርስቶስ ዝጀመረሉ ግዜ ተፈጺሙ ኪኸውን ኣለዎ።

ስለዚ እምበኣር፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን መዓስ ካብ ሰማይ ከም እተደርበዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ኣይገልጽን እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ፍጻመ እዚ፡ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ብ1914 ደድሕሪ ምንጋሱ ኸም እተፈጸመ ርዱእ እዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 215-218 ርአ።

b ኣብ ናይ 1 ጥሪ 2007 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 27-28፡ ሕጡብ ጽሑፍ 9-13 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ