ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/5 ገጽ 8-9
  • 4 ጥርጣረታት ኣወግድ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 4 ጥርጣረታት ኣወግድ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሓቂዶ ብወንጌል ትኣምን ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • “ኣብ እምነት ጽንዑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • የሆዋ ኣብ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም እትኣምን ኣርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/5 ገጽ 8-9

4 ጥርጣረታት ኣወግድ

“ኣታ ጕዱል እምነት፡ ስለምንታይከ ተዋላወልካ፧” —ማቴዎስ 14:31።

እቲ ዕንቅፋት እንታይ እዩ፧ ደቀ መዛሙርቱ የሱስ እውን እንተ ዀኑ፡ እተጠራጠሩሉ ግዜያት ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 14:30፣ ሉቃስ 24:36-39፣ ዮሃንስ 20:24, 25) መጽሓፍ ቅዱስ ንምጕዳል እምነት፡ “ዚጠብቀና ሓጢኣት” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (እብራውያን 12:1) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ተሰሎንቄ 3:2) ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ገሊኦም ሰባት ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸንጸባርቕዋ ኣይክእሉን እዮም ማለት ዘይኰነስ፡ ነዛ ባህርይ እዚኣ ንምጥራይ ኣይጽዕሩን እዮም ማለት እዩ። ኣምላኽ ነቶም ጻዕሪ ዚገብሩ ይባርኾም እዩ።

ነቲ ዕንቅፋት ብኸመይ ክትሰግሮ ትኽእል፧ ነቲ ኸም እትጠራጠር ዚገብረካ ጕዳያት ኣለልዮ። ንኣብነት፡ እቲ ወደ መዝሙር ዝነበረ ቶማስ፡ ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ምስ ተንስአ ኸም ዝረኣይዎ እኳ እንተ ነገርዎ፡ ተጠራጠረ። መርትዖ ይደሊ ነበረ። እዚኸ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ የሱስ ንቶማስ ድልድልቲ እምነት ከም እትህልዎ ዚገብር መርትዖ ሃቦ።—ዮሃንስ 20:24-29።

የሆዋ ኣምላኽ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ፡ ጥርጣረታትና ንኸነወግድ ዚሕግዘና መልሲ ይህበና እዩ። ንኣብነት፡ ብዙሓት ሰባት፡ ጠንቂ እዚ ንደቂ ሰብ ዜሳቕዮም ዘሎ ውግእን ዓመጽን መከራን ኣምላኽ ምዃኑ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ብምጥቃን፡ ኣብኡ ዘለዎም እምነት የጕድሉ። መጽሓፍ ቅዱስከ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት ተጠቒሙ ኣይገዝእን እዩ። የሱስ ነቲ ሰይጣን ዝስሙ ዘይርአ መንፈስ፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ጸውዖ። (ዮሃንስ 14:30) ሰይጣን ንየሱስ፡ “እዚ ስልጣን እዝን ብዘሎ ኽብረተንን ንኣይ ተውሂቡኒ እዩ እሞ፡ ኣነ ንዝደሌኹ እህቦ፡ ንኣኻውን ክህበካ እየ” በሎ፣ ፍግም ኢሉ እንተ ሰጊድሉኸኣ ኣብ መንግስትታት ምድሪ ስልጣን ከም ዚህቦ ተመባጽዓሉ። የሱስ፡ ሰይጣን ከምዚ ዓይነት ስልጣን ከም ዘለዎ ኣይከሓደን። የግዳስ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ኸኣ ኣምልኽ፡ ጽሑፍ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። (ሉቃስ 4:5-8) ነዚ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራ ዚሕተተሉ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ሰይጣንን ሰብኣውያን መንግስትታትን እዮም።—ራእይ 12:9, 12።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ የሆዋ ኣምላኽ ንዅሉ ምንጪ መከራ ኼጥፍኦ እዩ። ድሮ እኳ ብክርስቶስ የሱስ እናተመርሐት ንደቂ ሰብ እትገዝእ መንግስቲ ኣዳልዩ ኣሎ። (ማቴዎስ 6:9, 10፣ 1 ቈረንቶስ 15:20-28) ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺፍጸም፡ እቲ ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ዚገልጽ ብስራት ኣብ መላእ ምድሪ ይስበኽ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:14) ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ እዛ መንግስቲ እዚኣ ነቶም ዚጻረርዋን ንምንጪ ሰብኣዊ መከራን ከተጥፍእ እያ።—ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 25:31-33, 46፣ ራእይ 21:3, 4።

እንታይ ዓስቢ ትረክብ፧ እቶም ዚጠራጠሩ ሰባት፡ “ብምጥባር ሰብ . . . ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ” ዚደፍኦም እዮም። (ኤፌሶን 4:14፣ 2 ጴጥሮስ 2:1) እቶም ንሕቶታቶም ዜዕግብ መልሲ ዚረኽቡ ሰባት ግን፡ ‘ኣብ እምነት ኪጸንዑ’ ይኽእሉ እዮም።—1 ቈረንቶስ 16:13።

ሓተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኽኽር፡ እምነት ንኸይተጥሪ ዕንቅፋት ንዚዀኑኻ ሕቶታት መልሲ ኽትረክብ ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ምስኦም ክትቀራረብን ንትምህርትታቶም ክትምርምሮን ድማ ዕድመ የቕርቡልካ። ከምኡ ምግባርካ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምነት ኬደልድሎ እዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧a ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧” ዚብል ምዕራፍ 8፡ ከምኡውን “ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧” ዚብል ምዕራፍ 11 ርአ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ንሕቶታቶም ዜዕግብ መልሲ ዚረኽቡ ሰባት፡ እምነቶም ድልዱል መሰረት ኣለዋ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ