ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/12 ገጽ 3
  • የሱስ ሰባት ብዛዕባኡ እንታይ ይብሉ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ሰባት ብዛዕባኡ እንታይ ይብሉ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ክርስቶስ—ብኣምላኽ እተላእከ ድዩ፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • የሱስ ንህይወትካ ክቕይሮ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • የሱስ ኣብ ደቅሰብ ብሓፈሻ ዘለዎ ጽልዋ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • እቲ ናይ ሓቂ የሱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/12 ገጽ 3

የሱስ ሰባት ብዛዕባኡ እንታይ ይብሉ፧

“የሱስ ብዓል ናዝሬት . . . ኣብ ታሪኽ ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎ ሰብ ምዃኑ ዘይከሓድ እዩ።” —ኤች. ጂ. ዌልስ፡ እንግሊዛዊ ጸሓፍ ታሪኽ

“ካብ ኵሎም እቶም ኣብ ታሪኽ ዚርከቡ ጀጋኑ፡ ክርስቶስ ንበይኑ ፍልይ ዝበለ እዩ።” —ፊሊፕ ሻፍ፡ ስዊዘርላንዳዊ ዝትውልዱ ስነ-ሃይማኖተኛን ጸሓፍ ታሪኽን

ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ኪበሃል ዚበቅዕ መን እዩ፧ ዕቤት ሓደ ሰብ ዚልካዕ ብኸመይ እዩ፧ ብወተሃደራዊ ብልሓቱ ድዩ፧ ብኣካላዊ ብርታዐኡ ድዩ፧ ብኣእምሮኣዊ ኽእለቱ ድዩ፧ ወይስ ቃላቱን ተግባራቱን ኣብ ሰባት ብዜሕድሮ ጽልዋን ብዚሓድገሎም ኣብነትን፧

ቀደም ዝነበሩ ዀኑ ሕጂ ዘለዉ ጸሓፍቲ ታሪኽን ሊቃውንትን ምሁራትን ጸሓፍትን ፖለቲካውያን መራሕትን ካልኦትን ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ብዓል ናዝሬት እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ርአ፦

“ኣብዚ ዝሓለፈ ኽልተ ሽሕ ዓመት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወዲ ሰብ እቲ ልዕሊ ዅሉ ጽልዋ ዘለዎ ኣካል፡ የሱስ ብዓል ናዝሬት ምዃኑ ንምኽሓድ፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓይነት ቀመር የድሊ።”—ረይኖልድስ ፕራይስ፡ ኣመሪካዊ ጸሓፍን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁርን

“ሓደ ንጹህ ሰብኣይ ንጥቕሚ ኻልኦት፡ እንተላይ ንጥቕሚ ጸላእቱ ኢሉ ንርእሱ መስዋእቲ ገይሩ ብምቕራብ በጃ ዓለም ኰነ። እዚ ፍጹም ተግባር እዩ።”—ሞሃንደስ ከይ. ጋንዲ፡ ፖለቲካውን መንፈሳውን መራሒ ህንዲ

“ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ መጽሓፍ ቅዱስን ታልሙድን ተማሂረ እየ። ኣይሁዳዊ እየ፣ እንተዀነ ግን፡ በቲ ፍሉይ መንነት እቲ ናዝራዊ ተማሪኸ እየ።”—ኣልበርት ኣንስታይን፡ ጀርመናዊ ዝትውልዱ ሊቅ

“ንዓይ የሱስ ክርስቶስ ከም ወዲ ኣምላኽን ወዲ ሰብን መጠን፡ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ሓለፍ ዝበለ መንነት ዝነበሮ እዩ። ኵሉ እቲ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት ነዞም ሎሚ ዘለና ይጠቕመና እዩ፣ ከምዚ ኺበሃለሉ ዚኽእል ካልእ ብህይወት ዘሎ ወይ ዝሞተ ሰብ የልቦን።”—ሾለም ኣሽ፡ ፖላንዳዊ ዝትውልዱ ደራሲ፡ ካብ ክርስችያን ሄራልድ እተወስደ ጥቕሲ፣ ሰያፍ ዝገበርዎ ንሳቶም እዮም

“ንሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ዚኣክል . . . ኣብ ዋላ ሓንቲ ዘይኣምን ሰብ እየ ነይረ። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ግን ኣመንኩ። ኣብ ሰረተ-እምነት የሱስ ክርስቶስ ኣመንኩ እሞ፡ ምሉእ ህይወተይ ብሃንደበት ተቐየረ።”—ልዑል ሊዮ ቶልስቶይ፡ ሩስያዊ ደራስን ፈላስፋን

“ካብቶም ኣብዛ ፕላነት እዚኣ ዝነበሩ፡ [የሱስ] ልዕሊ ዅሉ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ፡ ጽልዋኡ ኸኣ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ።”—ከነት ስኮት ላቱረት፡ ኣመሪካዊ ጸሓፍ ታሪኽን ደራስን

“ታሪኽ ወንጌል ከም ልቢ ወለድ ጌርና ዲና ኽንርእዮ ዘሎና፧ ኣሰር ልቢ ወለድ እኳ የብሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ እቲ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዘይጠራጠረሉ ታሪኽ ሶቅራጦስ፡ ማዕረ ናይ የሱስ ክርስቶስ እተረጋገጸ ኣይኰነን።”—ዣን-ዣክ ሩሶ፡ ፈረንሳዊ ፈላስፋ

ብንጹር እምበኣር፡ የሱስ ክርስቶስ ካብ ኵሉ ብዝበለጸ ኣርኣያ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ጳውሎስ ንየሱስ ኪስዕብን ብዛዕባኡ ንኣህዛብ ኪዛረብን ተሓርየ። እዚ ሰብ እዚ ናብ የሱስ ‘ክንጥምት’ ተላበወና። (እብራውያን 12:2፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:3) ብዛዕባ ኣነባብራና፡ ካብ የሱስ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ህይወቱ ኺጠቕመካ ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ