ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 1/10 ገጽ 32
  • “ሓቂ እንታይ እዩ፧”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ሓቂ እንታይ እዩ፧”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 1/10 ገጽ 32

“ሓቂ እንታይ እዩ፧”

እዛ ሕቶ እዚኣ: እቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ንየሱስ ብምሕጫጭ ዘቕረባ ሕቶ እያ። መልሲ ኺምለሰሉ ፍቓደኛ ስለ ዘይነበረ ድማ: የሱስ ገለ እኳ ኣይመለሰሉን። ጶንጥዮስ ጲላጦስ ሓቂ ኽትርከብ ከም ዘይትኽእል ገይሩ እዩ ዚሓስብ ነይሩ።—ዮሃንስ 18:38

ሎሚ ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት: መምህራን: ፖለቲካውያን: ከምኡውን ብዙሓት ካልኦት ብዛዕባ ሓቂ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንዕቐት ዝመልኦ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ብፍላይ ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ሓቂ ፍጹም ዘይኰነስ: ተዛማድን ወትሩ ዚቀያየርን እዩ ኢሎም እዮም ዚኣምኑ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ: ሰባት ቅኑዕን ጌጋን ባዕሎም ኪውስኑ ኸም ዚኽእሉ እዩ ዚእምት። (ኢሳይያስ 5:20, 21) ሰባት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወለዶ ዝነበረ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን መለክዒታትን ግዜ ዝሓለፎ ኸም ዝዀነ ብምቝጻር እውን ይነጽግዎ እዮም።

እታ ብጲላጦስ ዝቐረበት ሕቶ ኣቓልቦ ዚግባኣ ሕቶ እያ። የሱስ: “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” ኢሉ መለሰ። (ዮሃንስ 18:37) የሱስ ንሓቂ: ዘይንጽርትን ክትርድኣካ ዘይትኽእልን ገይሩ ኣይረኣያን። ንደቀ መዛሙርቱ: “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ብምባል ቃል ኣተወሎም።—ዮሃንስ 8:32

ከምዚኣ ዝኣመሰለት ሓቂ ኻበይ ክትርከብ ትኽእል፧ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ የሱስ ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ኸሎ: “ቃልካ ሓቂ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 17:17) መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ስለ ዝዀነ: ብዛዕባ ሓቂ ዜተኣማምን መምርሒ ይህብ: ብዛዕባ ህይወት ዘለኣለም ከኣ ርግጽ ተስፋ ኸም ዘሎ ይገልጽ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:15-17

ጲላጦስ ነቲ ሓቂ ኺመሃረሉ ዚኽእል ዝነበረ ኣጋጣሚ ኣይተቐበሎን። ንስኻኸ፧ ስለምንታይ ብዛዕባ እታ የሱስ እተዛረበላ “ሓቂ” ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይትሓቶም፧ ነታ ሓቂ ተሓጒሶም ኪነግሩኻ እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ