“ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ”
ብዙሓት ኣብ ከባቢ መዲተራነያን ዚርከቡ ሰባት ኣብ ቀጽሮም ኦም ስየ ኣለዎም። እዚ ኦም እዚ ብጽባቔኡን በቲ ምቁር ጣዕሚ ዘለዎ ፍሪኡን ዚፍለጥ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን: ንልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዓመት ዚኣክል የፍሪ።
እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን: ነታ ውቅብቲ ሱላሚት ኪገልጻ ኸሎ: ንቝመታ ብኦም ስየ መሰሎ። (መሃልየ መሃልይ 7:7, 8adj.) እታ ፕላንትስ ኦቭ ዘ ባይብል ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ: “ተምሪ ብእብራይስጢ ‘ታማር’ ይበሃል።. . . ንኣይሁዳውያን ድማ ምልክት ግርማን ጽባቐን እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ እዋን ድማ ንጓል ኣንስተይቲ ዚህብዋ ስም እዩ” ትብል። ንኣብነት እታ መልክዐኛ ዝነበረት ንሰሎሞን ብኣቦ ሓብቱ: ታማር እያ ትበሃል ነይራ። (2 ሳሙኤል 13:1) ሓድሓደ ወለዲ ድማ ክሳዕ ሕጂ ንደቆም በዛ ስም እዚኣ ይሰምይወን ኣለዉ።
መልክዐኛታት ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ኣይኰናን ምስ ኦም ስየ ተመሳሲለን ዘለዋ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም: ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዐቢ። እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ። እግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስ: ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ: ይረውዩን ይልምዑን” ብምባል ዘመረ።—መዝሙር 92:12-14
እቶም ብእርግናኦም ብተኣማንነት ንኣምላኽ ዜገልግልዎ ኣረጋውያን: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ምስቲ ምዕሩግ ኦም ስየ ይመሳሰሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ “ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ: እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ” ይብል። (ምሳሌ 16:31) እቶም ኣረጋውያን ዋላኳ ጕልበቶም እናደኸመ እንተ ኸደ: ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምርኳስ መንፈሳዊ ሓይሎም ኬሐድሱ ይኽእሉ እዮም። (መዝሙር 1:1-3፣ ኤርምያስ 17:7, 8) እሙናት ኣረጋውያን በቲ ዜሐጕስ ቃላቶምን ንሰናይ ኣብነቶምን ኣቢሎም ንኻልኦት ምንጪ ምትብባዕ ይዀኑ: ዓመት ንዓመት ድማ ይፈርዩ እዮም። (ቲቶስ 2:2-5፣ እብራውያን 13:15, 16) እምበኣር: ልክዕ ከም ኦም ተምሪ: እቶም ኣረጋውያን ኣብ እርግናኦም ኪፈርዩ ይኽእሉ እዮም።