ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 1/8 ገጽ 20
  • ንሓዘን ዘሰነፈት እምነት ኣደ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሓዘን ዘሰነፈት እምነት ኣደ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ መን ኢዩ ዝፈልየና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ደብዳበ ኣብ ትሕቲ ማሽን መሕጸብ ክዳውንቲ
    ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
  • ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥም ከሎ
    ንቕሑ!—2014
  • ብፍቕሪ ተሃነጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 1/8 ገጽ 20

ንሓዘን ዘሰነፈት እምነት ኣደ

“ነዛ ደብዳበ እዚኣ ተንብባኣ እንተ ኣሊኽን: መጥባሕቲ ምስ ተገበረለይ ብህይወት ስለ ዘይተረፍኩ: ምሳኻትክን ምንባር ኣይቅጽልን ማለት እዩ።”

እዘን መኽፈቲ ቓላት እዛ ደብዳበ: ሓንቲ ካርመን እትበሃል ክርስትያን ኣደ ነተን 25: 19: 16 ዝዕድሚአን ሰለስተ ደቃ ዝጸሓፈተን እየን። ከምቲ ዝበለቶ: እቲ መጥባሕቲ ዕዉት ስለ ዘይነበረ: ካርመን ሞተት።

ንሰለስተ ደቃ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓዘን ገዲፋተን ሙማታ: ልቢ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዚዅምትር እዩ። እንተዀነ ግን: እዛ ኣደ እዚኣ ኣብ የሆዋን ኣብ መብጽዓታቱን ዝነበረታ ድልድልቲ እምነት: ኣብታ ልቢ እትትንክፍ ደብዳበኣ ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ ውሽጣዊ ሰላም ስለ ዘምጸኣትላ: ነቲ ሓዘን ኣሰኒፋቶ እያ። ንደቃ እንታይ ከም ዝበለተን እስከ ንርአ።

“ቅድሚ ዅሉ: ብምሉእ ልበይ ከም ዝፈትወክን ክገልጸልክን እደሊ። . . . ሓንቲ ኣደ ኺህልዋኣ ዚኽእላ ብሉጻት ውሉዳት ኢኽን ኔርክን: ኣዝየ እየ ድማ ብኣኻትክን ዝሕበን።

“ክሳዕ እታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ምሳኻትክን ክነብር ምፈተኹ ነይረ። . . . ይኹን እምበር: ከምቲ ዝደለኽዎ ክኸውን ኣይተኻእለን: ከምቲ ዘለኽናኦ እሙናት ኴንክን ክትቅጽላ ምእንቲ ኺሕግዘክን ንየሆዋ ሓቲተዮ እየ። ብሓባር ኴንና ብዙሕ ፈተና ተጻዊርና ኢና: የሆዋ ድማ ፈጺሙ ኣይጠንጠነናን። . . . ስለዚ: ብሕጂ እውን ኣብቲ የሆዋ ብውድቡ ገይሩ ዚህቦ መምርሒታት እምነት ይሃልኽን: ንጉባኤን ንሽማግለታትን ሓገዝ ካብ ምሃብ እውን ኣይተቋርጻ። ብእተኻእለክን መጠን ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ኣብቲ ዕዮ ስብከት ተኻፈላ: ንዅሎም ኣሕዋት እውን ኣፍቅራ።

“ምፍልላይና ግዜያዊ እዩ። . . . ንእተጋገኽዎን ንዘይተረዳእክዎን ነገራት ኵሉ: ወይ እውን ክሳዕ ክንደይ ከም ዘፍቅረክን ዘይምንጋረይ ይቕረታ እሓትት። . . . ንነፍሲ ወከፍክን ነናይ ርእስኽን ዜድልየክን ነገራት ከም ዘሎ እፈልጥ እየ። የሆዋ እቲ ዜድልየክን ነገር ካባኻትክን ንላዕሊ ይፈልጥ እዩ: ኵሉ እቲ ዜድልየክን ነገራት ኬማልኣልክን: ስለቲ እተጻወርክናኦ ጸገም ድማ ዓስቢ ኺህበክን እዩ።

“እቲ ብዛዕባ ሓዳስ ዓለም ዘለክን ሸቶ ፈጺምክን ከይተጥፍኣኦ: ኣብኡ ንምብጻሕ ድማ ተቓለሳ። ክሳዕ መወዳእታ እሙናት ምእንቲ ኽትኰና የሆዋ ይባርኽክንን የጽንዕክንን። . . . ፍቑራት ደቀይ ኣይትሕዘና። አፍቅረክን እየ!”

ሓዘን ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ዝዀነ እዋን ኬጋጥም ዚኽእል ነገር እዩ። እቲ ጥንቲ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን: “ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም” ኢሉ ጸሓፈ። (መክብብ 9:11) ይኹን እምበር: እቶም ኣብ ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ዘላቶም ሰባት: ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ: “ሞት ኰነ ወይ ህይወት: . . . ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ: ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ: ኣርጊጸ ኣሎኹ” ዝበሎ ዓይነት ምትእምማን ኪህልዎም ይኽእል እዩ።—ሮሜ 8:38, 39፣ እብራውያን 6:10

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ