ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 15/7 ገጽ 32
  • “ኣብ ሰማይ ዘላ እምንቲ ምስክር”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣብ ሰማይ ዘላ እምንቲ ምስክር”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 15/7 ገጽ 32

“ኣብ ሰማይ ዘላ እምንቲ ምስክር”

ገጠምትን ደረስቲ ደርፍን ንጽባቐ ወርሒ ንነዊሕ ግዜ ኺንእዱ ጸኒሖም እዮም። ንኣብነት: እታ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈት መሃልየ መሃልይ: ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ “ኸም ወርሒ ጽብቕቲ” ኢላ ገሊጻታ እያ። (መሃልየ መሃልይ 6:10) ከምኡውን እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብግጥሚ ገይሩ ንወርሒ “ኣብ ሰማይ ዘላ እምንቲ ምስክር” ኢሉ ጸውዓ። (መዝሙር 89:37 ትርጉም 1990) እዚ ንወርሒ እተዋህባ መግለጺ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

ወርሒ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 27.3 መዓልቲ ንመሬት ምሉእ ብምሉእ ዘይራ ትውድእ። ስለዚ: ወርሒ እምንቲ እተባህለት: እተተኣማምን ምዃና ንምሕባር እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣብ ኣእምሮኡ ዓሚቚ ትርጕም ዘለዎ ሓሳብ ሒዙ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ትንቢታዊ መዝሙር “እምንቲ ምስክር” ኪብል ከሎ ብዛዕባ እታ የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባኣ ኺጽልዩ ዝመሃሮም መንግስቲ እዩ ዚገልጽ ነይሩ።—ማቴዎስ 6:9, 10

ልዕሊ 3,000 ዓመት ይገብር: የሆዋ ኣምላኽ ምስቲ ጥንታዊ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ኪዳን ተኣታትዩ ነበረ። (2 ሳሙኤል 7:12-16) ዕላማ እቲ ኺዳን: እቲ ሕጋዊ መሰረት ዝነበሮ የሱስ ክርስቶስ ወራሲ ዝፋን ዳዊት ብምዃን እቲ ዝፋን ንዘለኣለም ንኼጽንዖ እዩ። (ኢሳይያስ 9:7፣ ሉቃስ 1:32, 33) እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ከም ወርኂ፥ ከምታ ኣብ ሰማይ ዘላ እምንቲ ምስክር፥ ንዘለዓለም ጸኒዑ ኪነብር እዩ” ኺብል ከሎ ብዛዕባ እቲ “ዘርኢ” ዝፋን ዳዊት እዩ ዚገልጽ ነይሩ።—መዝሙር 89:36, 37 ትርጉም 1990

እታ ‘ብለይቲ እትስልጥን ብርሃን:’ ማለት ወርሒ ንነባርነት ግዝኣት ክርስቶስ እትገልጽ ብቕዕቲ መዘኻኸሪት እያ። (ዘፍጥረት 1:16) ዳንኤል 7: 14 ብዛዕባ እታ መንግስቱ ኽትገልጽ ከላ: “ግዝአቱ ዘይሐልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ: መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ” ትብል። እምበኣር: ወርሒ ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ኸምኡውን ብዛዕባ እቲ ንደቅሰብ እተምጽኣሎም በረኸት እተዘኻኽረና ምስክር እያ።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Moon: NASA photo

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ