ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 1/6 ገጽ 32
  • መልሓስ ዘለዋ ስልጣን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሓስ ዘለዋ ስልጣን
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 1/6 ገጽ 32

መልሓስ ዘለዋ ስልጣን

መልሓስ ዘራፍ: ክሳብ 45 ሰንቲ ሜተር ዚበጽሕ ንውሓት ዘለዎ: ስሉሕ: ከምኡውን ካብ ጨናፍር ኦም ኣቝጽልቲ ንምቕንጣብ እኹል ሓይሊ ዘለዎ እዩ። እቲ ብሉ ዌል ዚበሃል ዓሳ ኣንበሪ መልሓሱ ክንዲ ሓደ ሓርማዝ ይምዘን። ነዚ ንምንቅስቓስ ዜድልዮ ሓይሊ እሞ ሕስብ ኣብሎ!

ናይ ሰብ መልሓስ: ዓቐኑ: ክብደቱ: ሓይሉ: ምስ እዚ ኺወዳደር ከሎ ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ዝያዳ ሓይሊ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዛ ንእሽቶ ኣካል ወድሰብ: “ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን መልሓስ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 18:21) እወ: እታ ኽትቀትል እትኽእል መልሓስ ወድሰብ: ሓሶት ብምእላምን ብሓሶት ብምምስካርን ኣብቶም ንጹሃት ግዳያት ዕንወት: ካብኡ ሓሊፉ እውን ሞት ከተምጽእ ከላ ርኢና ኢና።

ብተመሳሳሊ: ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ምሕዝነት ብምኽንያት እቲ ጐዳኢ ርእይቶታት ተበቲኹ እዩ። ስምዒታት ብተረርቲ ቓላት ተጐዲኡ እዩ። እቲ ኣደዳ ጸለመ ዀይኑ ዝነበረ እዮብ: “ክሳዕ መኣዝ ንነፍሰይ ተጕህይዋ: ብዘረባውን ትሰባብሩኒ ኣሎኹም፧” ኢሉ ጨርሐ። (እዮብ 19:2) ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር: ብዛዕባ እታ ልጓም ዘይብላ መልሓስ ኪህልዋ ዚኽእል መዕነዊ ሓይሊ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ንጹር መግለጺ ይህበና:- “ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ እሞ: ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ: ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ። ልሳንውን ሓዊ እያ።”—ያእቆብ 3:5, 6

በቲ ሓደ ሸነኽ: መልሓስ በቲ ዘለዋ ስልጣን ተጠቒማ: ህይወት እውን ክትህብ ትኽእል እያ። ድንጋጸ ዝመልኦን ዜጸናንዕን ቃላት: ካብ ጭንቀትን ርእሰ-ቕትለትን የድሕን እዩ። ጥዑይ ምኽሪ: ሰማዒ ኣብ ዝረኸበሉ እዋን: ነቶም ሓሽሽ ዚወስዱን ዓመጸኛታትን ገና ብንእስነቶም ካብ ሙማት ኣድሒንዎም እዩ። ብርግጽ: ፍረ እድብቲ መልሓስ: “ኦም [ህ]ይወት እያ” ከምኡውን “ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ።”—ምሳሌ 15:4፣ 25:11

እንተዀነ ግን: ንመልሓስ ክንጥቀመሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ: ንየሆዋ ምውዳስን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅን ብዛዕባ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክቡር ሓቂ ንኻልኦት ምምሃርን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: የሱስ ከም ዝበሎ: “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።”—ዮሃንስ 17:3፣ ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ