ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 15/3 ገጽ 3
  • ምጽኣት ክርስቶስ ክንፈርሆ ድዩ ዘሎና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምጽኣት ክርስቶስ ክንፈርሆ ድዩ ዘሎና፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምጽኣት ክርስቶስ እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ምጽኣት ክርስቶስ ዚዓሞ ነገራት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • የሱስ መተባብዒ ሒዙ ይመጽእ
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • መጽሓፍ ራእይን ንስኻን
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 15/3 ገጽ 3

ምጽኣት ክርስቶስ ክንፈርሆ ድዩ ዘሎና፧

ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ዚብል ክትሰምዕ ከለኻ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ እዩ ዚመጸካ፧ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ጥፍኣትን ህልቂትን መቕጻዕትን ዜምጽእ ፍጻመ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧ ወይስ ንዅሉ እዚ ዜጋጥመና ዘሎ ጸገማት ኬጥፍኦ ኢኻ እትጽበ፧ ምጽኣት ክርስቶስ ኪፍራህ ዘለዎ ድዩ፧ ወይስ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽኣት ክርስቶስ ብዚምልከት: ‘እንሆ: ብደበና ይመጽእ ኣሎ: ኵለን ኣዒንቲ ኸኣ ኪርእያኦ እየን: ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪ እውን ኪበኽዩ እዮም’ ይብል። (ራእይ 1:7) እዚ ምጽኣት እዚ ነቲ የሱስ ንቕኑዓት ሰባት ዓስቦም ንምሃብ ከምኡውን ነቶም እኩያት ንምቕጻዕ ኣብ መጻኢ ዚመጸሉ እዋን ዜመልክት እዩ።

ሃዋርያ ዮሃንስ ብምጽኣት ክርስቶስ ኣይፈርሀን፣ የግዳስ: ብሃንቀውታ እዩ ዚጽበዮ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ምጽኣት እዚ ኸምኡውን ንምድሪ ዘለዎ ትርጕም ብዚምልከት ራእይ ድሕሪ ምርኣዩ: “ጐይታና የሱስ: ንዓ” ብምባል ልባዊ ጸሎት ኣቕረበ። (ራእይ 22:20) ‘ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪ ዚበኽዩ’ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዮም፧ ‘ኵለን ኣዒንቲ’ ዚርእያኦኸ በየናይ መገዲ እዩ፧ ምጽኣት ክርስቶስ እንታይ ዚዓሞ ነገር ኣለዎ፧ ኣብኡ እምነት ምግባርና ኣብዚ እዋን እዚ ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ