ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 15/1 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰናይ ኣብነት ድዩ ዚዀነካ ወይስ መለበሚ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ሰሎሞን ብጥበብ ገዝአ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • “ናይ ሰብ ምሉእ ግዴታ”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ህይወትካ—እንታይ ዕላማ ኣለዋ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 15/1 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኣካቢ ‘ኻብ ሽሕሲ ሓደ ሰብኣይ ረኺቡ’ ኽነሱ: ‘ኣብ ማእከል ኵላቶም ግን ሓንቲ ሰበይቲ ዘይረኸበ’ በየናይ መዳይ እዩ፧—መክብብ 7:28

ነዚ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ንምርዳእ: ፈለማ ኣምላኽ ንደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ከም ዚርእየን ክንፈልጥ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ንሩት “ደጊ ሰበይቲ” ብምባል ይጠቕሳ: ንሳ ነታ መበለት ዝነበረት ናእሚ ሰበይቲ ወዳ እያ ነይራ። (ሩት 3:11) ብመሰረት ምሳሌ 31:10 ድማ እታ ደገኛ ሰበይቲ “ዋጋኣ ኻብ ክቡር ዕንቚ ኣዝዩ ይኸብር።” እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን “ካብ ሽሕሲ ሓደ ሰብኣይ ረኺበ: ኣብ ማእከል ኵላቶም ግና ሓንቲ ሰበይቲ ኣይረኸብኩን” ኪብል ከሎ ደኣ እሞ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

ብዙሓት ካብተን ብግዜ ሰሎሞን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ሕማቕ ስነ-ምግባር ከም ዝነበረን እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ሓሳባት ይሕብር እዩ። (መክብብ 7:26) እዚ ድማ ብዓብዪኡ ብሰንኪ እቲ እተን ኣምልኾ በዓል ዚፍጽማ ዝነበራ ጓኖት ኣንስቲ ዘሕደራኦ ጽልዋ እዩ። ንጉስ ሰሎሞን ንባዕሉ ንጸቕጢ እተን ብዙሓት ጓኖት ኣንስቱ ኢዱ ሂቡ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ሾብዓተ ሚእቲ ንግስታት ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ” ይብል: ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ንኼምልኽ ከኣ “ልቡ ኣዘንበላኦ።” (1 ነገስት 11:1-4) እቲ ሰብኡት ዚስዕብዎ ዝነበሩ ስነ-ምግባራዊ መለክዒ እውን ሕሱር ነበረ፣ ከመይሲ: ካብ ሽሕ ዝዀኑ ሰባት ሓደ ጻድቕ ሰብኣይ ምርካብ ማለት ኣዝዩ ውሑድን ኣብ ግምት ዘይኣቱን እዩ ነይሩ። ሰሎሞን ግን “ኣምላኽ ንሰብ ቅኑዕ ገይሩ ኸም ዝፈጠሮ ግዳ ረኸብኩ: ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ” ኣብ ዚብል መደምደምታ በጽሐ። (መክብብ 7:29) እዚ መደምደምታ እዚ ብዛዕባ ደቅሰብ ብሓፈሻ ደኣ እምበር: ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ብምውድዳር ኣይኰነን። እምበኣር: እቲ ኣብ መክብብ 7:28 ዚርከብ ቃላት: ብዛዕባ ሓፈሻዊ ስነ-ምግባራዊ ዅነታት እቶም ብግዜ ሰሎሞን ዝነበሩ ሰባት እተዋህበ ርእይቶ ጌርካ ኺርአ ኣለዎ።

ይኹን እምበር: እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኻልእ ትርጕም እውን ኪህልዋ ይኽእል እዩ። ትንቢታዊት ጥቕሲ ኽትከውን ትኽእል እያ፣ ከመይሲ: ንየሆዋ ፍጹም ተኣዛዝነት ዘርኣየት ሰበይቲ የላን። ከምዚ ዝገበረ ሓደ ሰብኣይ ግን ኣሎ: ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ እዩ።—ሮሜ 5:15-17

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

“ካብ ሽሕሲ ሓደ ሰብኣይ”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ