ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 1/1 ገጽ 3-4
  • ዓወት ብኸመይ ኢኻ እትልክዖ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዓወት ብኸመይ ኢኻ እትልክዖ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ህይወትካ ናይ ሓቂ ኣሳልጦ ርኸብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ዕዉት ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ናይ ሓቂ ዓወት ብኸመይ ከም ዚርከብ
    ንቕሑ!—2014
  • ናይ ሓቂ ዓወት እንታይ እዩ፧
    ንቕሑ!—2014
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 1/1 ገጽ 3-4

ዓወት ብኸመይ ኢኻ እትልክዖ፧

ጀሲ ሊቨርሞር ኣብቲ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ዕዳጋ ኣክስዮን ዝዀነ ዎል ስትሪት: ኣዝዩ ዕዉት ነጋዳይ ኣክስዮንን ኣብ ንግድ ድማ በሊሕ ውሳነታት ዚገብርን እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ብዙሕ ሃብቲ ኣከበ። ብኢድ እተሰፍየ ብሉጽ ምሉእ ክዳን ይኽደን: ኣብ 29 ክፍሊ ዘለዎ ዓብዪ ገዛ ይነብር: ከምኡውን ብዘዋራይ ብእትምራሕ ጸላም ሮልስ-ሮይስ ዝዓይነታ ማኪና ገይሩ ይዛወር ነበረ።

ዴቪድa እውን ተመሳሳሊ መገዲ እዩ ዚስዕብ ነይሩ። ምክትል ፕረዚደንትን ኣካያድን ሓደ ኩባንያ ስእሊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ፕረዚደንት ሓደ ጨንፈር እቲ ኩባንያ ናይ ምዃን ተስፋ እውን ነበሮ። ሃብትን ክብረትን ኪረክብ ተሃንጥዩ ነበረ። ደሓር ግን ካብቲ ኩባንያ ስንብታ ኸም ዚሓትት ዝገበሮ ብሕታዊ ውሳነ ገበረ። “ዳግም ላዕለዋይ ሓለቓ ዀይነ ዝዓየሉ ስራሕ ከም ዘይረክብ እፈልጥ እየ” ኸኣ በለ። ዴቪድ ጌጋ ውሳነ ዝገበረ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧

ብዙሓት ሰባት: ንዓወት ምስ ሃብትን ተቐባልነትን ዝናን እዮም ዜተሓሕዝዎ። ይኹን እምበር: እቶም ስጋዊ ሃብቲ ዘለዎም ሰባት ውሽጣዊ ባዶነት ይስምዖም እዩ፣ ህይወቶም ድማ ትርጕምን ዕላማን የብሉን። ኵነታት ሚስተር ሊቨርሞር እውን ምስዚ ዚመሳሰል እዩ። ዋላኳ ሃብቲ እንተ ነበሮ: ህይወቱ ግን ብጓህን ብዜሕዝን ፍጻመታትን ብሓዘንን ዝመልአት እያ ነይራ። ናይ መንፈስ ጭንቀት ኣሕደረ: ሓዳሩ ተበታተነ: ከምኡውን ምስ ውሉዳቱ ጽቡቕ ርክብ ኣይነበሮን። ኣብ መወዳእታ: መብዛሕትኡ ሃብቱ ምስ ሰኣነ: ኣብ ሓደ ምሹእ ባር ኮፍ ኢሉ ብዛዕባ እቲ ዝገጠሞ ኽሳራ ኺሓዝን ጀመረ። መስተ ኣዚዙ ድማ ኣብታ መዘኻኸሪት ጥራዙ: ንሰበይቱ ናይ ደሓን ኩኒ ሓጻር ደብዳበ ጸሓፈላ። ነታ ዝኣዘዛ መስተ ወዲኡ ኸኣ ናብ ሓንቲ ጽልምት ዝበለት ክፍሊ ኣትዩ ብዜሕዝን መገዲ ህይወቱ ኣጥፍአ።

ሰባት ርእሶም ዝቐትልሉ ምኽንያት እተሓላለኸ እኳ እንተ ዀነ: እዚ ታሪኽ እዚ ግን ንሓቅነት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝገለጾ ሓሳብ ዜረጋግጽ እዩ:- “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ . . . ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።”—1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10

እቶም ንዓወት ብሃብትን ብመዓርግን ብዝናን ዚልክዕዎ ሰባት: እተጋገየ መለክዒ ደዀን ይጥቀሙ ይህልዉ ይዀኑ፧ ንስኻኸ ንርእስኻ ዕዉት ከም ዝዀንካ ጌርካ ዲኻ እትርእያ፧ ስለምንታይ፧ ዕዉት ንኽትከውን እንታይ መለክዒ ኢኻ እትጥቀም ዘለኻ፧ ብዛዕባ ዓወት ንዘሎካ ኣረኣእያ ዚቐርጾ እንታይ እዩ፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነቲ ብሚልዮናት ዚቘጸሩ ሰባት ዕዉታት ንኪዀኑ ዝሓገዞም ውጽኢታዊ ምኽሪ ኽትምርምሮ እያ። ንስኻ እውን ብኸመይ ዕዉት ክትከውን ከም እትኽእል እስከ ንርአ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስም ተቐይሩ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ