ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 1/12 ገጽ 32
  • ፈራዲ ኺእረም ይከኣል ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፈራዲ ኺእረም ይከኣል ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 1/12 ገጽ 32

ፈራዲ ኺእረም ይከኣል ድዩ፧

ኣብ ክሮአሽያ እትነብር ስላድያና ዝስማ ናይ የሆዋ ምስክር: ምስ ገንዘብ ብእተተሓሓዘ ጕዳያት ኣብ ቤት ፍርዲ ንኽትቀርብ ቈጸራ ነበራ። ኣብ ሰዓታ ድማ ኣብ ቅድሚ ሓደ ፈራዲ ቐረበት። ይኹን እምበር: እቲ ኻልእ ብዓል ጕዳይ ደንጐየ። ስላድያና ድማ ምስክርነት ክትህብ ደለየት: ኵሉ ሰብ እናተጸበየ ኸሎ ኸኣ ብድፍረት ነቲ ፈራዲ ኣዘራረበቶ።

“ድሕሪ ቐረባ እዋን ኣብ ምድሪ ፈራዶ ይኹኑ ቤት ፍርዲ ኸም ዘይህሉስ ትፈልጥዶ፧” ኢላ ሓተተቶ። ነቶም ሕጂ እንፈልጦም ፈራዶ ማለታ እዩ ነይሩ።

እቲ ፈራዲ በዚ ተገሪሙ ስቕ ኢሉ ረኣያ: ዋላ ሓንቲ ድማ ኪምልሰላ ኣይከኣለን። ኣብታ ህሞት እቲኣ እቲ ቤት ፍርዲ ስርሑ ጀመረ። ጕዳዮም ወዲኦም: ስላድያና ኣብ ሓደ ሰነድ ክትፍርም ምስ ተንስአት: እቲ ፈራዲ ናብኣ ገጹ ድንን ኢሉ “ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምድሪ ፈራዶ ይኹኑ ቤት ፍርዲ ኸም ዘይህሉ እተዛረብክኒ ነገር ርግጸኛ ዲኺ፧” ኢሉ ሓተታ።

ስላድያና ድማ “እወ። ርግጸኛ እየ!” በለቶ።

ንሱ ኸኣ “እንታይ መርትዖ ኣሎኪ፧” ኢሉ ሓተታ።

ንሳ ድማ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚርከብ” ኢላ መለሰትሉ።

እቲ ፈራዲ ነዚ ኸምዚ ዝበለ መርትዖ ኼንብቦ ኸም ዚደሊ ነገራ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣይነበሮን። ስላድያና ድማ ከተምጽኣሉ ኸም እትኽእል ነገረቶ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪበጽሕዎ ኸዱ: መጽሓፍ ቅዱስ ብምሃብ ድማ ሰሙናዊ ንባብ ንኺገብር ኣተባብዕዎ። እቲ ፈራዲ ኸኣ ነቲ ሓሳብ ተቐበሎ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ።

እቲ ኣብ መዝሙር 2:10 ዚርከብ ትንቢታዊ ቓላት: “እምበኣርሲ ኣቱም ነገስታት: ለብሙ: ኣቱም ፈራዶ ምድሪውን: ተአረሙ” ይብል። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ትሑታት ሰባት ነቲ ፍቕራዊ መምርሒ የሆዋ ኪቕበሉ ኸለውስ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ስላድያና ምስቲ ፈራዲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ