ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 15/11 ገጽ 3
  • ስለምንታይ ቅኑዕ ክንገብር ንጽዕር፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስለምንታይ ቅኑዕ ክንገብር ንጽዕር፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣርኣያ​—ጳውሎስ
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ነቶም ቅኑዓት ንጽህናኦም ይመርሖም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ምህላውና እንፈልጠሉ መገዲ
    ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
  • ዕላማ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ኢዩ
    ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 15/11 ገጽ 3

ስለምንታይ ቅኑዕ ክንገብር ንጽዕር፧

ሓደ ግዜ ሓደ ምሁር “ፍቓድሲ አሎኒ: ምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ አሎኹ እሞ: ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ አሎኹ እምበር: ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ” በለ። እዚ ሰብኣይ እዚ ነቲ ኺገብሮ ዚደልዮ ዝነበረ ሰናይ ንምግባር ኣጸጋሚ ዝዀኖ ስለምንታይ እዩ፧ ነቲ ምኽንያት ከምዚ ብምባል ገለጾ:- “እምብኣርሲ ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒ: ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ። ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ: ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ።”—ሮሜ 7:18, 19, 21-23

እዘን 2,000 ዓመት ይገብር እተጻሕፋ ቓላት ሃዋርያ ጳውሎስ: ዘይፍጹማት ሰባት ቅኑዕ ዝዀነ ነገር ኪገብሩ ስለምንታይ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀኖም ይገልጻ። ብሕልፊ ኣብ ትሕቲ ፈታኒ ዅነታት ኴንካ ነቲ ቕኑዕ ስርዓታት ምስዓብ ስነ-ምግባራዊ ጽንዓት ዚሓትት እዩ። ስለዚ: ‘ቅኑዕ ክንገብር እንጽዕረሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧’ ኢልና ምሕታትና ግቡእ እዩ።

ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቶም ብስነ-ምግባር ዝመጸ ቕኑዓት ዝዀኑ ሰባት ዘለዎም ተስፋ እንታይ ከም ዚብል ርአ። ኣብ መዝሙር 37:37, 38 ከምዚ ዚብል ነንብብ:- “ንፍጹም ሰብሲ ጠምቶ: እዚ ሰብ እዚ ዳሕራዩ ሰላም እዩ እሞ: ነዚ ቕኑዕ ርአዮ። በደልቲ ግና ኵላቶም ኪጠፍኡ እዮም: ረሲኣንውን ዳሕራዮም ኪቝረጽ እዩ።” ምሳሌ 2:21, 22 እውን ከምዚ ትብል:- “እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ: እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ: . . . ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ: እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።”

ዋላኳ እዝን ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓታትን ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ መገዲ ንኽንስዕብ ዚድርኸና እንተ ዀነ: ነዚ እንገብረሉ ቐንዲ ምኽንያት ግን ኣይኰነናን እዩ። እቲ ምኽንያት ንዅሎም መስተውዓልቲ ፍጡራት ምስ ዚምልከት ጕዳይ እተተሓሓዘ እዩ። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ: እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከም ዚጸልወናን ትገልጽ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ