ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 15/11 ገጽ 31
  • ንደቅኻ ሓሳብ ኪህቡ ምሃሮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንደቅኻ ሓሳብ ኪህቡ ምሃሮም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሆዋ ኣብ ጉባኤ ወድሶ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ፡ ንሓድሕድና ንተባባዕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ንኣኼባታት ጽቡቕ ጌርና ኽንዳሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ነቲ ህዝባዊ ምስክርነት ናይ ተስፋኻ ብዘይ ምንቕናቕ ኣጽኒዕካ ሓዞ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 15/11 ገጽ 31

ንደቅኻ ሓሳብ ኪህቡ ምሃሮም

ኣብ መክሲኮ እትነብር ፐርላ: ቈልዓ ኸላ ኣዲኣ ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ እትህቦ ሓጺር ሓሳብ ንኽትዳሎ ትሕግዛ ነበረት። ፐርላ ኣብዚ እዋን እዚ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ውላድ ኣለዋ። ንዕኡኸ ኸመይ ገይራ እያ እትሕግዞ፧ ከምዚ በለት:- “መጀመርታ ኣነ ንባዕለይ ክዳሎ ኣሎኒ። ክዳሎ ኸለኹ ወደይ ኪርድኦን ብናቱ ቓላት ገይሩ ኺገልጾን ዚኽእል ሕጡብ ጽሑፍ እደሊ። ብድሕርዚ ኣብታ ‘ናተይ ሕጡብ ጽሑፍ’ ኢሉ ዚጽውዓ ቝጽሪ ኣትኵሮ ንገብር። መዓልታዊ ብዚርእዮ ኣብነታት ገይሩ ንኺገልጻ ድማ እሓቶ። ቀጺልና ነታ ሓሳብ ብተደጋጋሚ ንለማመዳ። ሓሳብ ኪህብ ከሎ ኸመይ ገይሩ ማይክሮፎን ከም ዚሕዝ ንምርኣይ ድማ ሓደ ኣቕሓ ንጥቀም። ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ሓሳብ ከይሃበ ወይ ኢዱ ኸየውጽአ ስለ ዘይትውዳእ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ። መብዛሕትኡ ግዜ: እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ናብቲ ዚመርሕ ሓው ከይዱ ነታ ናቱ ሕጡብ ጽሑፍ ይነግሮ።”

ኣብ ሓንቲ ብቛንቋ ሂንዲ እትምራሕ ጕጅለ ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል የንስ: ክልተ ዓመትን ኣርባዕተ ዓመትን ዝዕድሚኦም ውሉዳት ኣለውዎ። ንሱን ሰበይቱን ምስ ውሉዳቶም ኰይኖም ንኣኼባ ኺዳለዉ ኸለዉ: ነቲ የንስ ካብ ወለዱ እተማህሮ ሜላ እዮም ዚጥቀሙ። የንስ ከምዚ ይብል:- “እቶም ደቅና ኺርድእዎ ዚኽእሉ ኣየናይ ክፋል እቲ እነጽንዖ ዘለና ጽሑፍ ምዃኑ ንውስን። ብድሕሪኡ: ብዛዕባ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እቲ ርእሰ ነገር ወይ ነቲ ዓንቀጽ ጽሙቕ ኣቢልና ንገልጸሎም፣ ቀጺልና ኸኣ ኣብቲ ኣኼባ ኺምልስዎ ዘለዎም ሕቶታት ንሓቶም። መብዛሕትኡ ግዜ ንመልስታቶም ብባህርያዊ መገዲ ስለ ዜቕርብዎ: ድንጽው እዩ ዚብለና። ሓሳባቶም ዚገልጹሉ መገዲ እንታይ ከም እተረድኡ ዜንጸባርቕ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እቲ ዚህብዎ መልሲ ብሓቂ ንየሆዋ ይውድሶ: ብሕታዊ መግለጺ እምነቶም ድማ ይኸውን።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ