ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 1/10 ገጽ 32
  • ኣብ ሰፊሕ ውቅያኖስ መገድኻ ምርካብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ሰፊሕ ውቅያኖስ መገድኻ ምርካብ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 1/10 ገጽ 32

ኣብ ሰፊሕ ውቅያኖስ መገድኻ ምርካብ

ደሴታት ማርሻል ልዕሊ 1,200 ዚኸውን ደሴታት ዝሓዛ እየን: መብዛሕትአን ድማ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ሒደት ሜተራት ጥራይ እየን ብርኽ ኢለን ዚርከባ። ካባታተን ብዙሕ ከይረሓቕካ ኸኣ ካብ ዓይንኻ እየን ዚስወራ። ይኹን እምበር: ጥንታዎት ባሕረኛታት ማርሻል በተን ታንኳኦም ገይሮም ኣብቲ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዚርከብ 650,000 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓቱ ቦታ ኻብ ሓንቲ ንእሽቶ ደሴት ናብ ካልእ ንእሽቶ ደሴት ንምኻድ መገዶም ኣይጠፍኦምን ነበረ። ነዚ ብኸመይ እዮም ዚገብርዎ ነይሮም፧ በቲ ቐሊል ግን ከኣ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ዝዀነ ሰሌዳ ስላዕ ዚበሃል “ካርታ” ይምርሑ ነበሩ።

ባሕረኛታት ማርሻል ኣብ ውሽጢ 30 ኪሎ ሜተር መሬት እንተ ኣልዩ: እቲ ሞገድ እተወሰነ መልክዕ ከም ዚህልዎ ኻብ ተመክሮ ኣስተውዒሎም ነበሩ። እቲ ዓይነት ሞገዳት ብቝጽሪ ብዙሕ ብምዃኑ እዚ ሰሌዳ ስላዕ እዚ ብቐሊሉ ንኺዝክርዎ ይሕግዞም ነበረ። ንምዃኑ እዚ ሰሌዳ ስላዕ እዚ እንታይ እዩ ዚመስል፧ ከምቲ ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ዘለኻ: ነቲ ኻብ ቅላጥ ሱር ፓንዳኑስ ዚበሃል ተኽሊ ወይ ከኣ ካብ ልሕጺ ቘጽሊ ኮኮናት ዝሰርሕዎ ስላዕ ብሓደ ብምጥማር: ነቲ ሞገድ ዜመልክት ከም መርበብ ዚመስል ነገር ይኣልሙ ነበሩ። ነቲ እተን ደሴታት ዘለዋሉ ቦታ ንምሕባር ከኣ ኣብ እተፈላለየ ቦታ ዛዕጐል ይኣስሩሉ ነበሩ።

ነዚ ሰሌዳ ስላዕ ተጠቒምካ ዚግበር ዝነበረ ጕዕዞ: ንሓያሎ ዓመታት ከም ምስጢር ኰይኑ ይተሓዝን ነቶም እተመርጹ ሰባት ጥራይ ይንገሮምን ነበረ። ሓደ መንእሰይ ባሕረኛ ኸመይ ገይሩ እዩ ነዚ ሰሌዳ ስላዕ ኪጥቀመሉ ዚኽእል፧ ስልጠናን ግብራዊ ልምምድን እንተ ረኺቡ ጥራይ እዩ ኺመሃሮ ዚኽእል ነይሩ። ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ባሕረኛ ብብሕቱ ዀይኑ ነዚ ተመሃራይ እዚ ናብተን ኣብ ቀረባ ዘለዋ ደሴታት ብምውሳድ ይምህሮ ነበረ። እቲ ተመሃራይ ነቲ ሞገድ ጽቡቕ ገይሩ ኼለልዮ ምስ ጀመረ ድማ: ኣብቲ ናቱ ሰሌዳ ስላዕ ምትእምማን ኬሕድር ይጅምር። ኣብ መወዳእታ ባዕሉ ኣብቲ ውቅያኖስ ኪጐዓዝ ይጅምር።

ምስዚ ብዚመሳሰል ድማ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ኣብ ህይወትና እንገብሮ ጕዕዞ ኺመርሓና ይኽእል እዩ። ብቐዳምነት ግን ሓደ ሰብ ነቲ መሰረታዊ ምርዳእ ቅዱሳት ጽሑፋት ንኽንፈልጦ ኺሕግዘና ኣለዎ። ብድሕሪኡ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ መጽናዕቲ ምግባርና እንተ ቐጺልናን ንስርዓታቱ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮን: ኣብቲ ዚብሎ ነገራት ምትእምማን ኪሓድረና ይኽእል። እቲ ንእስራኤላውያን ዚመርሖም ዝነበረ እያሱ: ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ‘እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቑ ኺገብሮ’ ወትሩ ንኼንብቦ ተነጊርዎ ነበረ። ኣምላኽ ቀጺሉ ንእያሱ “ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ: ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ” በሎ። (እያሱ 1:8) እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ርጉጽን ዕዉትን ህይወት ንኺህልወና ኺመርሓና ይኽእል እዩ።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© Greg Vaughn

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ