ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 15/9 ገጽ 32
  • “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 15/9 ገጽ 32

“ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ”

መበል 119 መዝሙር: እቲ ዘቀናበራ ሰብ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽቲ ወይ ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ስምዒት እትገልጽ መዝሙር እያ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ብምባል ዘመረ:- “ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ።” “ብስርዓታትካ ባህ እብል።” “ነፍሰይ: ኵሉ ጊዜ ፍርድኻ ብምንፋቕ ተቐጥቀጠት።” “ምስክራትካ ድማ ባህታይ . . . እዮም።” “ትእዛዛትካ እናፍቕ አሎኹ።” “በቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካውን ባህ ክብል እየ።” “ስርዓታትካ ኸኣ ከስተንትን እየ።” “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ: ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ።”—መዝሙር 119:11, 16, 20, 24, 40, 47, 48, 97

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንቓል ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ልባዊ ሞሳ ዀን እዩ ነይርዎ! ንስኻኸ ብዛዕባ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሳሳሊ ስምዒት ድዩ ዘሎካ፧ ከምዚ ዓይነት ፍቕሪ ኽትኵስኵስ ትደሊዶ፧ እምበኣር ብቐዳምነት: ስሩዕ እንተ ተኻኢሉ ኸኣ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልማድ ኪህልወካ ኣለዎ። የሱስ ክርስቶስ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” በለ። (ማቴዎስ 4:4) ካልኣይ: ነቲ ዘንበብካዮ ኣስተንትነሉ። ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ: ብዛዕባ ባህርያቱ: ብዛዕባ ፍቓዱ: ከምኡውን ብዛዕባ ዕላማኡ ዚገልጽ ሓቂ ኽትሓስበሉ ኸለኻ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ሞሳ ኺውስኾ እዩ። (መዝሙር 143:5) ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ ጠቓሚ ምኽሩ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ።—ሉቃስ 11:28፣ ዮሃንስ 13:17

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ነገራት ፍቕሪ ምሕዳርካ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ መዝሙር 119:2 ‘ምስክራት ኣምላኽ ዚሕልዉ ብጹኣን እዮም’ ትብል። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምስክራት ወይ መዘኻኸሪታት ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥመካ ጸገማት ብዓወት ንኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ እዩ። (መዝሙር 1:1-3) ‘ኣእጋርካ ኻብ ክፉእ ዘበለ መገዲ ንኽትክልክል’ ዚሕግዘካ ጥበብን ምስትውዓልን ምርዳእን ክትረክብ ኢኻ። (መዝሙር 119:98-101) ብዛዕባ ኣምላኽን ንምድሪ ዘለዎ ዕላማን እቲ ሓቂ ምፍላጥካ: ህይወትካ ብዝያዳ ትርጕም ዘለዋ ኸምኡውን ንመጻኢ ዘሎካ ተስፋ ብሩህ ከም ዚኸውን ኪገብሮ እዩ።—ኢሳይያስ 45:18፣ ዮሃንስ 17:3፣ ራእይ 21:3, 4

ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ካልኦት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝሓሸ ኺርድእዎን ንመልእኽቱ ፍቕሪ ኼሕድሩን ንምሕጋዝ ፍቓደኛታት እዮም። ነዚ ስዒቡ ዘሎ ሓሳብ ምላሽ ንኽትህበሉ ድማ ልባዊ ዕድመ ነቕርበልካ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ