“ካብ ሎሚ ጀሚረ: ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣሚነ”
ሓንቲ ኣብ ፕራግ: ቸክ ሪፓብሊክ እትነብር ኣሌክሳንድራ ዝስማ ዩክረይናዊት ሰበይቲ ኻብ ስራሕ ናብ ገዛኣ ትምለስ ነበረት። ኣብ ሓደ ደው መበሊ ኣውቶቡስ ምስ በጽሐት ድማ እቶም ሓለፍቲ መገዲ እናቐልዑ ዚሓልፍዋ ዚነበሩ ሓንቲ ንእሽቶ ቦርሳ ረኣየት። ነታ ንእሽቶ ቦርሳ ምስ ኣልዓለታ: በቲ ኣብኡ ዝረኣየቶ ነገር ኣዝዩ ደንጸዋ። ነናይ 5,000 ኮሩና ገንዘብ ተጠቕሊሉ ተቐሚጡ ነበረ። ኣብቲ ኸባቢ ኸኣ ዋላ ሓደ ነታ ቦርሳ ዚደልያ ሰብ ኣይነበረን። ኣሌክሳንድራ ኣብ ቸክ ሪፓብሊክ እትነብር ስደተኛ ስለ ዝዀነት: ናብራ ኣዝዩ ኸቢድዋ ነበረ። እንታይ እንተ ገበረት ይሓይሽ፧
ናብ ገዛኣ ምስ ተመልሰት ነታ ቦርሳ ንቪክቶሪያ ጓላ ኣርኣየታ። ዋላኳ ስምን ኣድራሻን እቲ ወናኒ ኣብታ ቦርሳ እንተ ደለያ: ኪረኽባ ግን ኣይከኣላን። ይኹን እምበር: ሓንቲ ቝጽርታት እተጻሕፋ ንእሽቶ ወረቐት ረኸባ። በቲ ሓደ ወገና ቝጽሪ ሕሳብ: በቲ ሓደ ድማ ብዝሕ ዝበለ ቝጽሪ ተጻሒፍዋ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን እታ ቦርሳ ናብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ባንክ እትሕብርን “330,000 ኮሩና” (ከባቢ 10,000 ዶላር ኣመሪካ) ዚብል ጽሑፍ ዘለዋ ወረቐትን ሒዛ ነበረት። ኣብታ ቦርሳ ዝነበረ ገንዘብ ከኣ ብድምር ልክዕ ክንድዚ እዩ ነይሩ።
ኣሌክሳንድራ ነቲ ቝጽሪ ተሌፎን ዚመስል ቍጽሪ ተጠቒማ ናብቲ ባንክ ክትድውል እኳ እንተ ጸዓረት ኣይኰነላን። ንሳን ጓላን ኰይነን ናብቲ ባንክ ብምኻድ ድማ ነቲ ዘጋጠመ ነገር ነገራኦም። ኣብቲ ቦርሳ ዝረኸባኦ ቝጽሪ ሕሳብ ናይ መን ምዃኑ ሓተታ። ይኹን እምበር: እቲ ባንክ ከምዚ ዚበሃል ቍጽሪ ሕሳብ የብሉን። ንጽብሒቱ ኣሌክሳንድራ ነቲ ኣብታ ቦርሳ ዝጸንሓ ኻልእ ቍጽሪ ሒዛ ተመልሰት። በዚ ቝጽሪ ሕሳብ እዚ እትጥቀም ዓሚል እቲ ባንክ ድማ ነበረት። ኣሌክሳንድራን ቪክቶርያን ነታ ሰበይቲ ደወላላ: ብርግጽ ከም ዝጠፍኣ ኸኣ ገለጸትለን። ኣብ መወዳእትኡ ምስ ተራኸባ እታ ሰበይቲ ብውዕዉዕ ስምዒት ኣመስገነተን: “ገንዘበይ ስለ ዝመለስክናለይ እንታይ ክገብረልክን ኢኽን ትደልያ፧” ኢላ ድማ ሓተተተን።
ቪክቶሪያ “ዋላ ሓንቲ ኽትገብርልና ኣይንደልን ኢና። ነቲ ገንዘብ እንተ ንደልዮ እሞ ኣይምሃብናክን ኔርና” በለታ። በቲ ስብርብር ዝበለ ቸክ ድማ ቀጺላ ኸምዚ በለታ:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀንና ኢና ነቲ ገንዘብ መሊስናልኪ። እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናና: ናትና ዘይኰነ ነገር ንኽንወስድ ኣየፍቅደልናን እዩ።” (እብራውያን 13:18) እታ ሰበይቲ ብታሕጓስ “ካብ ሎሚ ጀሚረ: ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣሚነ” በለት።