ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 1/6 ገጽ 3-4
  • ጕሱያትን ግፉዓትን ኣረጋውያን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጕሱያትን ግፉዓትን ኣረጋውያን
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣረጋውያን ምሕላይ ሓላፍነት ክርስትያናት እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ኣምላኽ ንኣረጋውያን ይሓልየሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • እተገለሉ ግናኸ ዘይተረስዑ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሆዋ ንኣረጋውያን ኣገልገልቱ ይሓልየሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 1/6 ገጽ 3-4

ጕሱያትን ግፉዓትን ኣረጋውያን

እቲ ናይ ለይቲ ሓላዊ ንሓለዋ ኺዘውር ከሎ: ከምዚ ዝኣመሰለ ዜስካሕክሕ ነገር ኪርኢ ኢሉ ፈጺሙ ኣይተጸበየን። ኣብ ደገ እቲ ውቁብ መንበሪ: ካብቲ ኣብ ሻውዓይ ደርቢ ዚርከብ መንበሪኦም ብመስኮት ዘሊሎም ዝሞቱ ኽልተ ኣረጋውያን ሰብኣይን ሰበይትን ረኣየ። ዝፈጸምዎ ርእሰ-ቕትለት ዜሰቅቕ እኳ እንተዀነ: ነዚ ኺፍጽሙ ዝደረኾም ነገር ድማ ዝገደደ እዩ። ኣብ ጁባ እቲ ሰብኣይ እተረኽበት ወረቐት: “ብምኽንያት እቲ ወድናን ሰበይቱን ዘውረዱልና ቐጻሊ ህስያን በደልን ኢና ህይወትና ኣሕሊፍና” ትብል።

ዝርዝር እዚ ታሪኽ እዚ ዘይተለምደ ኪኸውን ይኽእል እዩ: እቲ ጕዳይ ግን ልሙድ እዩ። እወ: ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዚወርድ ግፍዒ ዳርጋ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ እዩ ዜጋጥም ዘሎ። እስከ ነዚ ዚስዕብ ርአ:-

• ሓደ መጽናዕቲ: ካብቶም ኣብ ካናዳ ዚነብሩ ኣረጋውያን እቶም 4 ሚእታዊት መብዛሕትኡ ግዜ በቶም ኣባላት ስድራቤቶም ህስያ ወይ ምዝመዛ ኸም ዚወርዶም ጸብጸበ። ይኹን እምበር: እቶም ኣረጋውያን ብዛዕባ እቲ ዘለዉሉ ዜሕዝን ኵነታት ምዝራብ የሕፍሮም ወይ ከኣ የፍርሆም። ክኢላታት እቲ ኣሃዝ ዳርጋ 10 ሚእታዊት ኪኸውን ይኽእል እዩ ይብሉ።

• እታ ኢንድያ ቱደይ ዘርእስታ መጽሔት: “ዋላኳ ህዝቢ ህንዲ ድልዱል ማእሰር ስድራቤት ዘለዎ እንተ መሰለ: ቍጽሪ እቶም ብውሉዳቶም እተጐስዩ ኣረጋውያን ግን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ” ብምባል ጸብጸበት።

• ሃገራዊ ማእከል ህስያ ኣረጋውያን ብመሰረት እቲ ዝበለጸ ዚበሃል ግምት: “ዕድሚኦም 65 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀኑ ኻብ 1 ሚልዮን ክሳዕ 2 ሚልዮን ዚበጽሑ ኣመሪካውያን: መጕዳእቲ ወሪድዎም: ተመዝሚዞም ወይ በቲ ኺሓልየልናን ኬዕቍበናን እዩ ዝበልዎ ሰብ ተገፊዖም እዮም” ብምባል ሓበረ። ኣብ ሳንድያጎ: ካሊፎርንያ ዚነብር ምክትል ዓቃብ ሕጊ ኣውራጃ: ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዚወርድ ማህሰይቲ “ንሕጊ ኻብ ዘጋጠሞ እቲ ዝኸበደ ጕዳይ” ብምባል ጸውዖ። ወሲኹ ድማ “እዚ ጸገም እዚ ኣብዘን ዚመጻ ሒደት ዓመታት ዚውስኽ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ” በለ።

• ኣብ ካንተርበሪ: ኒውዚላንድ ዚርከቡ ኣረጋውያን: ግዳይ ኣባላት ስድራቤቶም: ብሕልፊ ድማ ግዳይ እቶም ወልፊ ሓሽሽን ኣልኮልን ምጥላዕን ዘለዎም ምዃኖም ዜሻቕል እዩ ዀይኑ ዘሎ። እቶም ኣብ ካንተርበሪ ህስያ ዝወረዶም ኣረጋውያን ብ2002 ቍጽሮም 65 እኳ እንተ ነበረ: ብ2003 ግን ብሓንሳእ ናብ 107 ደየበ። እቲ ቐንዲ ፈጻሚ እቲ ነዚ ግፍዒ እዚ ደው ንምባል እተመስረተ ትካል: እዚ ኣሃዝ እዚ “ኻብ ባሕሪ ብጭልፋ” ጥራይ ኬመልክት ከም ዚኽእል ተዛረበ።

• ዘ ጃፓን ታይምስ: ፈደረሽን ማሕበር ጠበቓታት ጃፓን “ካብቶም ህስያ ዚወርዶም ቈልዑ ወይ ካብ ካልእ ኣብ ቤት ዜጋጥም ዓመጻ ንላዕሊ: እቶም ግዳይ ዝዀኑ ኣረጋውያን እዩ ዝበለጸ ኣቓልቦ ዜድልዮም” ኢሉ ምሕባሩ ጸብጸበ። ስለምንታይ፧ ታይምስ ሓደ ኻብቲ ምኽንያታት እንታይ ምዃኑ ኺጠቅስ ከሎ ኸምዚ በለ:- “ምስቲ ኣብ ልዕሊ ቘልዓ ወይ ኣብ መጻምድቲ ዚወርድ ማህሰይቲ ኺነጻጸር ከሎ: ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዚወርድ ማህሰይቲ ኽሳዕ ዚቕላዕ ግዜ ይወስድ እዩ፣ ሓደ ኻብቲ እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ኣረጋውያን ብውሉዶም ዓመጻ ኺወርዶም ከሎ ተሓታትነት ስለ ዚስምዖም: ኣብ ርእሲ እዚ እውን መንግስትን ናይቲ ኸባቢ ኣመሓደርትን ክሳዕ ሕጂ ነዚ ጸገም እዚ ግቡእ ኣቓልቦ ስለ ዘይገበሩሉ እዩ።”

እዚ ዝረኣናዮ ኣብ መላእ ዓለም እንታይ የጋጥም ከም ዘሎ ዚሕብር መርኣያ: ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ንኽንሓትት ይገብረና:- ሓያሎ ኣረጋውያን ዚጕሰዩን ዚግፍዑን ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧ እዚ ነገራት እዚ ኸም ዚመሓየሽ ዚገልጽ ተስፋ ኣሎዶ፧ ንኣረጋውያን ዚኸውን እንታይ መጸናንዒ ኣሎ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ