ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧
ኣብ መናፈሻ ወይ ከኣ ኣብቲ ምኡዝ ሽታ ዕንባባታት ዝመልኦ ሜዳ ምዝዋር ደስ ዜብለካ ስለምንታይ እዩ፧ ምልኩዕ ቀላይ ወይ ድማ ጫፉ ብደበና እተሸፈነ ነዋሕቲ ኣኽራን ክትርኢ ኸለኻ ጽቡቕ ስምዒት ዚስምዓካ ስለምንታይ እዩ፧ ነቲ ኣዕዋፍ ኣብ ኣእዋም ኰይነን ዚዝምራኦ ጥዑም ዜማ ንኽትሰምዕ ኢልካ ደው እትብል ስለምንታይ ኢኻ፧ ዓገዘን ኪዕንድር ከሎ ወይ ከኣ መጓሰ ኣባጊዕ ኣብ ሸኻ ኺበልዓ ኸለዋ ምርኣይ ኣዝዩ ደስ ዜብል ስለምንታይ እዩ፧
መልሲ እዚ ዅሉ ሕቶታት ሓንቲ እያ። ኣብ ገነት ክንነብር ስለ እተፈጠርና እዩ! እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ኣዳምን ሄዋንን ፈለማ ኣብ ገነት እዮም ነይሮም። እቲ ኣብኡ ናይ ምንባር ድሌት ካብኦም ኢና ረኺብናዮ: ንሳቶም ድማ ካብቲ ፈጣሪኦም ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እዮም ረኺቦምዎ። የሆዋ ኣብ ገነት ሕጉሳት ኴንና ኽንነብር ከም እንኽእል ይፈልጥ እዩ፣ ከመይሲ: ኣብኡ ተሓጕስና ንኽንነብር ዚገብረና ባህርያት ከም ዚህልወና ገይሩ እዩ ፈጢሩና።
የሆዋ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ እዩ፧ “ማሕደር ሰብ ክትከውን” ኢሉ እዩ ፈጢርዋ። (ኢሳይያስ 45:18) ‘ፈጣሪ እዛ ምድሪ’ ንኣዳምን ሄዋንን ሓንቲ ውቅብቲ መንበሪ: ማለት ገነት ኤድን ሃቦም። (ኤርምያስ 10:12፣ ዘፍጥረት 2:7-9, 15, 21, 22) በቲ ወሓይዝ: ዕንባባታት: ከምኡውን በቲ ኣግራብ ክሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጕሶም ኪዀኑ ኣለዎም! ውቁባት ኣዕዋፍ ኣብ ሰማይ ይረኣያ ነበራ: እተፈላለዩ ዓይነት እንስሳታት ኣብታ ምድሪ ይመላለሱ እኳ እንተ ነበሩ: ንሰባት ዜስግኡ ግን ኣይነበሩን። ዓሳን ካልኦት ፍጥረታትን ኣብቲ ጽሩይ ማይ ይንቀሳቐሱ ነበሩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣዳምን ሄዋንን ብሓደ እዮም ነይሮም። ውሉዳት ኪወልዱን ነታ መንበሪኦም ዝዀነት ገነት ምስቲ ዚዓቢ ዝነበረ ስድራቤቶም ብሓጐስ ብምሕባር ኬስፍሕዋን ይኽእሉ ነበሩ።
ምድሪ ኣብዚ ግዜ እዚ ገነት ኣይትኹን ደኣ እምበር: ምስ መንበሪ ናይ ሓደ ሕጉስ ስድራቤት ክትመሳሰል ትኽእል እያ። እዛ ኣምላኽ ዝሃበና ምድሪ ኸም ብርሃን: ሙቐት: ማይ: ምግቢ ዝኣመሰለ ዜድልየና ነገራት ዝሓዘት እያ። ነቲ ናይ ጸሓይ ብርሃንን ሙቐትን ከምኡውን ነቲ ምሸት ዚርአ ብርሃን ወርሒ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ! (ዘፍጥረት 1:14-18) ኣብ ውሽጢ ምድሪ ኸም ከሰልን ነዳዲ ዘይትን ዝኣመሰለ ንሙቐት ክንጥቀመሉ እንኽእል ነዳዲ ኣሎ። ዑደት ማይ ከምኡውን ናይ ሩባታትን ወሓይዝን ባሕርን ስርዓት: ማይ ከም እንረክብ ይገብር። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: እቲ ቐጠልያ ዝሕብሩ ሳዕሪ ንምድሪ ኸም ምንጻፍ ኰይኑ ይሽፍና እዩ።
ልክዕ ከምቲ ኣብ ቤት ዚኽዘን ምግቢ: ኣብ ውሻጠ እዛ ምድሪ እውን ምግቢ ኣሎ። የሆዋ በእካልን በቲ ፍረ ዚህብ ኣእዋምን ገይሩ ‘ዘመን ፍርያት ይህበና: ንልብናውን ብሓጐስ የጽግቦ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 14:16, 17) እዛ ምድሪ ሕጂ ጽብቕቲ መንበሪት ካብ ኰነት: እቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ናብ ገነት ምስ ቀየራ እሞ ኸኣ ከመይ ክትመስል ከም እትኽእል እሞ ሕስብ ኣብሎ!—1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW