ኣምላኽ ገናዶ ንነገራት ይቈጻጸሮ ኣሎ እዩ፧
ብዛዕባ ባህርያዊ ዕንወት: ሓደገኛ ሕማማት: ብሰበ-ስልጣን ዚግበር ብልሽውና: መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራውያን: ውግእ: ገበን ዚሕብር ዜና ኸይሰማዕና ዝሓለፈት መዓልቲ የላን። እዚ ነገራት እዚ ብብሕትኻ ይተንክፈካ ኣይተንክፈካ: እዛ ዓለም ናበይ ተምርሕ ከም ዘላን ነገራት እናተመሓየሸ ይኸይድ እንተሎን ምሕሳብካ ዘይተርፍ እዩ።
ነዚ ጕዳይ እዚ መልሲ ንምሃብ: ኣብ ልዕሊ 200 ሃገራት ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: “ኣምላኽ ገናዶ ንነገራት ይቈጻጸሮ ኣሎ እዩ፧” ዚብል እዋናዊ ህዝባዊ መደረ ኬቕርቡ እዮም። ኣምላኽ ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዘይወድቕ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሕቶታት እንታይ ከም ዝበለ ኸምኡውን እንታይ መብጽዓ ኸም ዝኣተወ ዚምርምር እዩ:-
ኣምላኽ ብዛዕባ ጕዳያት ምድሪ ይግደስ ድዩ፧
ብዛዕባ ደቅሰብከ ኸመይ ይስምዖ፧
ኣምላኽ ይሓልየልካ ድዩ፧
ኣብ መብዛሕትኡ ኸባቢታት: እዚ መደረ እዚ ሰንበት 30 ሚያዝያ 2006 ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪወሃብ እዩ። ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጕሶም ነቲ ሰዓትን ኣድራሻን ኪነግሩኻ እዮም።
ነቲ “ኣምላኽ ገናዶ ንነገራት ይቈጻጸሮ ኣሎ እዩ፧” ዚብል ሕቶ ዜዕግብ መልሲ ዚህብ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዜተባብዕ ናጻ መደረ ንኽትካፈል ብኽብሪ ንዕድመካ።