ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 15/6 ገጽ 32
  • “ብእምነቱ እተሰጐ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ብእምነቱ እተሰጐ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 15/6 ገጽ 32

“ብእምነቱ እተሰጐ”

ነቶም ግዳይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ዝዀኑ ሰባት ንምዝካር ኣብታ ኣብ ሰሜን ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ቼርኖብዮ ኣብ ዚርከብ መናፈሻ: ንመዘከርታ ዚኸውን ሓደ ቦታ ተሰርሐ። ሓደ ኻብቲ ንመዘከርታ እቶም ግዳያት ተባሂሉ ኣብ እተሰርሐ ቦታ ዝነበረ ጽላት ንናርሲሶ ሪት እተወፈየ እዩ ነይሩ። ካብ ኢጣልያውያን ወለዲ ኣብ ጀርመን እተወልደ ሪት: ብ1930ታት ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ እዋን እቲ ንሂትለር ልዕሊ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ቦታ ኣይንህቦን ኢና ብምባሎም ተሰጒጐም እዮም።

ሪት ቅዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ ናብቲ መዳጐኒ ደምበ ኸም ዜበጻጽሕ ጌስታፖ ምስ ፈለጡ: ካባታቶም ንምምላጥ ናብ ቼርኖብዮ ሃደመ። ኣብኡ ግምቢ ዘብዐኛ ናብ ጥልያንኛ ንኺትርጕምን ናብቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ኣመንቲ ንኺዕድሎን ተነግሮ። እዚ ብትግሃት ዚፍጽሞ ዝነበረ ስራሕ ግን ካብ ኣዒንቲ ጌስታፖ ኣይተሰወረን። ሓደ ናይ ኤስ.ኤስ. መኰነን ከምኡውን ወተሃደራቱ ንገዛ ሪት ብምውራር ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእተውዎ: ነቲ “ገበነኛ” ምዃኑ ዜርኢ መርትዖ ዝበልዎ ኽልተ መጽሓፍ ቅዱስን ሒደት ደብዳበታትን እውን ሓዝዎ። ድሕሪኡ: ናብ ጀርመን መለስዎ: ኣብቲ ኣብ ዳካው ዚርከብ መዳጐኒ ደምበ ወሲዶም ከኣ ዳጐንዎ። ቀቅድሚ ምውዳእ ካልኣይ ውግእ ዓለም ድማ ቀተልዎ። ከምቲ እቲ ኣብ ቼርኖብዮ ዚርከብ ጽላት ዚብሎ: ብሓቂ “ብእምነቱ እተሰጐ” ሰብ እዩ ነይሩ።

ናርሲሶ ሪትን ግዳያት መስጐጕቲ ናዚ ዝዀኑ ኻልኦት በማእታት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ዝነበረቶም እምነት: ነዞም ሕጂ ዘለዉ ክርስትያናት ነቲ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ልዑል ዝዀነን ኣምልኾ ዚግብኦን የሆዋ እሙናት ንኪዀኑ ብርታዐ ይህቦም። (ራእይ 4:11) የሱስ “ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ . . . ብጹኣን እዮም” በለ። የሆዋ ድማ ነቲ ዝገበርዎ ኺዝክሮን ስለቲ ትብዓቶም ኪኽሕሶምን እዩ።—ማቴዎስ 5:10፣ እብራውያን 6:10

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ