ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 15/4 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ዘቕርበልኩም መጐተ ስምዑ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ‘ካባይ ተምሃሩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ‘እቶም ዋዕላ ኺእከቡ ጸውዑ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ‘ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ርእስኹም ሓልዉ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 15/4 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ሳንሄድሪን ቀሪቡ “ፈሪሳዊ እየ” ምባሉ ኣብ ክርስትያናዊ እምነቱ ኸም እተለማለመ ደይኰነን ዜርኢ፧

እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 23:6 ዚርከብ ቃላት ጳውሎስ ምእንቲ ኺርድኣና: ነቲ ኣብ ከባቢ እዛ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ክንምርምር የድልየና።

ጳውሎስ: ኣብ የሩሳሌም ጭፍራ ኣይሁድ ኣንጻሩ ምስ ተላዕሉ: “ሕጊ ኣቦታት ኣጸቢቐ እናተመሀርኩ ኸኣ: ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ትሕቲ እግሪ ገማልኤል እየ ዝዐቤኹ” በሎም። ድሕርዚ እቶም ህዝቢ ንግዜኡ ንርእሱ ኺጣበቐላ ኸሎ ዋላኳ እንተ ሰምዕዎ: ኣዝዮም ምስ ተቘጥዑ ግን እቲ ሓለቓ ሽሕ ናብ ሰፈር ወተሃደራት ወሰዶ። ኣብቲ ሰፈር ወሲዶም ኪገርፍዎ ኺብሉ ኸለው ድማ “ንሮማዊ ሰብ ብዘይ ፍርዲ ኽትገርፉዶ ተፈቒዱልኩም እዩ፧” በሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 21:27-22:29

ንጽብሒቱ እቲ ሓለቓ ሽሕ: ንጳውሎስ ናብ ቅድሚ እቲ ሳንሄድሪን ዚበሃል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ወሰዶ። እቲ ቤት ፍርዲ ብፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ከም ዝቘመ ምስ ረኣየ ኸኣ “ኣቱም ኣሕዋተይ: ኣነ ፈሪሳዊ: ወዲ ፈሪሳዊ እየ። ብዛዕባ ተስፋን ትንሳኤን ምውታት ይፍረደኒ ኣሎ” በለ። “ሰዱቃውያን፤ ትንሳኤ ዀነ መልኣኽ ኰነ መንፈስ ኰነ የልቦን: ይብሉ: ፈሪሳውያን ግና ነዚ ዅሉ ይአምኑ” ስለ ዝነበሩ ኣብ መንጎኦም ዘይምስምማዕ ተፈጥረ። ካብ ወገን ፈሪሳውያን ከኣ “ኣብዚ ሰብኣይዚ ገለ ኽፉእ እኳ ኣይረኸብናን” ብምባል ዓው ኢሎም ኪካራኸሩ ጀመሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 23:6-10

ጳውሎስ ቀናእ ክርስትያን ከም ዝዀነ ይፍለጥ ብምንባሩ: ነቲ ሳንሄድሪን ፈሪሳዊ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኼእምኖ ኣይክእልን እዩ። እቶም ኣብኡ ተረኺቦም ዝነበሩ ፈሪሳውያን እውን: ነቲ ትምህርቶም ምሉእ ብምሉእ ንዘይስዕቦ ሰብ ኣይቅበልዎን እዮም። ስለዚ: ጳውሎስ ብእተወሰነ መዳይ እዩ ፈሪሳዊ ምዃኑ እተዛረበ: እቶም ፈሪሳውያን እውን በዚ መገዲ እዚ እዩ ተረዲእዎም።

ጳውሎስ እተፈርደሉ ምኽንያት: ነቲ ፈሪሳውያን እውን ይኣምኑሉ ዝነበሩ ተስፋ ትንሳኤ ብምእማኑ ስለ ዝዀነ በዚ መዳይ እዚ ኸም ፈሪሳዊ እዩ ነይሩ። ብትንሳኤ ዝመጸ እምበኣር: ከም ፈሪሳዊ ደኣ እምበር ከምቶም ኣብ ትንሳኤ ዘይኣምኑ ሰዱቃውያን ኪርአ ኣይኽእልን እዩ።

እቲ ፈሪሳውያን ዚኣምኑሉ ዝነበሩ ኸም ትንሳኤን መላእኽትን ካልኦት እተወሰኑ ሕግታትን: ምስቲ ጳውሎስ ከም ክርስትያን መጠን ዚኣምነሉ ዝነበረ እምነት ኣይጋጮን እዩ። (ፊሊጲ 3:5) ስለዚ: ጳውሎስ በዚ መዳይ እዚ ንርእሱ ኸም ፈሪሳዊ ኺርኢ ይኽእል እዩ: እቶም ኣብ ሳንሄድሪን ዝነበሩ እውን ንዘረባኡ በዚ መገዲ እዚ እዮም ተረዲኦምዎ። ኣብ ቅድሚ እቶም ኣቐዲምካ ብጌጋ ናይ ምፍራድ ልምዲ ዝነበሮም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ: ነቲ ኣተዓባብያኡ ኺጥቀመሉ ኸኣለ።

ይኹን ደኣ እምበር: ጳውሎስ ብቐጻሊ ስምረት ኣምላኽ ዘይምስኣኑ: ኣብ ክርስትያናዊ እምነቱ ኸም ዘይተለማለመ ዜርኢ ዝዓበየ መርትዖ እዩ። ኣብታ ድሕሪ ፈሪሳዊ ምዃኑ እተዛረበላ ለይቲ: የሱስ “ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ ኸምኡውን ኣብ ሮሜ ኽትምስክረለይ ይግብኣካ እዩ እሞ: ኣጆኻ” በሎ። ስለዚ: ጳውሎስ ስምረት ኣምላኽ ካብ ረኸበ: ኣብ ክርስትያናዊ እምነቱ ኣይተለማለመን ኢልና ኽንድምድም ንኽእል ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 23:11

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ